ኤርትራ፣ መዓጹታታ ንምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን ክትከፍት ትግደድ ዘላ፣ ውጽኢት እገዳ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኤርትራ፣ መዓጹታታ ንምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን ክትከፍት ትግደድ ዘላ፣ ውጽኢት እገዳ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 21 March 2016

Media EU

መንግስቲ ኤርትራ፣ መዓጹታቱ ንምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታትን ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታትን ክኸፍት ዝተገደደሉ ምኽንያት፣ ውጽኢት ናይቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኡ ዘንበሮ እገዳ ምዃኑ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ኣብ 2009ን 2011ን ክልተ እዋናት ዝነበረሉ እገዳ፣ ትርጉም ኣልቦ’ዩ እናበለ ከናሽዎ እኳ እንተፈተነ፣ እናጸንሐ ግና ሳዕቤናቱ ስለዝተዓዘበ፣ ነቲ ኣውራ ጠንቕታት እገዳ ዝኾነ ምትእትታው ናብ ሶማል ኢዱ ከምዝሰሓበ ከፍልጥ እንከሎ፣ ሕጂ ከኣ ንዓመታት ክኽሕዶም ዝጸንሐ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ከለቕቕ ተገዲዱ ኣሎ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ ብፍላይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ይፍጽሙ ኣለዉ ዶ ኣይፋል ኣብ ዝብል ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እተካይዶ ዘላ መጽናዕቲ ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉ ዘረድኡ እቶም ተንተንቲ እታ ኮሚሽን ጸብጻባ ናብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ምቕራባ፣ መዓጹታቱ ንምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታትን ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታትን ክኸፍትን ይርአ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ ነቶም ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ቪዛ ዝህቦም ዘሎ ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን፣ ብምክትታል ኣባላቱ ኣብ ውሱን ከባቢታት ኣስመራን ካልእ ከተማታትን ኣዛዊሩ ጥራይ ከምዝምለሱ ብምግባር ነቲ ዝኽሰሰሉ ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽዋሉ ይጽዕር ምህላዉ ካብ ህዝቢ ዝተሰወረ ከምዘይኮነ እቶም ተንተንቲ ይጠቕሱ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ይፍጽሙ ኣለዉ ዶ ኣይፋል ኣብ ዝብል ጉዳይ ናይ እተካይዶ ዘላ መጽናዕቲ ፣ ምሉእ ጸብጻባ ኣብ ሰነ 2016 ከተቕርብ’ያ።

============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0