ኡጋንዳን ኬንያን ብዛዕባ ምዝርጋሕ ሻምብቖታት ነዳዲ ይዝትያ

ኡጋንዳን ኬንያን ብዛዕባ ምዝርጋሕ ሻምብቖታት ነዳዲ ይዝትያ

Radio Erena: 22 March 2016

Pipeline

ካብ ኡጋንዳ ክሳብ ኬንያ፣ ሻምብቆታት ነዳዲ ናይ ምዝርጋሕ መደብ ንምዝርራብ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ርክብ ኣካይዶም።

ናብ ኬንያ ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ምስ ኬንያዊ መዘንኡ ጆሞ ኬንያታ ብሰኑይ 21 ግንቦት ኣብ ዝተራኸብሉ፣ ብዛዕባ መደብ ምዝርጋሕ ሻምብቖታት ነዳዲ ብዝምልከት ብክኢላታት ኩባንያታት ነዳዲ መብርሂ ተዋሂብዎም።

ነቲ ፕሮጀክት ንምትግባር ዝወዳደራ ዘለዋ ኩባንያታት ነዳዲ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያን ቻይናን፣ ሻምብቖታት ነዳዲ ካብ ምዕራብ ኡጋንዳ፣ ሆይማ ካብ ዝተባህለ ከባቢ ክሳብ ኬንያ፣ ወደብ ላሙ ወይ ከኣ ናብ ታንዛያ ዝበጽሓሉ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ከምዘቕረባ’ውን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

 

ናይ ወደብ ኣገልግሎታ ካብ ኬንያን ታንዛንያን ዝኾነ ኡጋንዳ፣ ነቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክትልእኮ ጀሚራ ዘላ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ክንዲ ብቦጣት ብሻምብቖታት ከምዝሓለፍ ንምግባሩ’ያ ትውጥን።

ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኡጋንዳ፣ ሆይማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት፣ ኣብ ሰፊሕ ጎላጉል ነዳዲ ክዕደነሉ ጀሚሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0