“ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብምልኦም ከነውጽኦም ኢና፣” ቀ/ ሚ ናታንያሁ

“ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብምልኦም ከነውጽኦም ኢና፣” ቀ/ ሚ ናታንያሁ

Radio Erena: 28 September 2016

Natanyahu

ኣብ ደቡባዊ ቴልኣቪቭ ዝርከቡ ስደተኛታት ብምልኦም ካብ እስራኤል ክወጹ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር በንያሚን ናታንያሁ ገሊጹ።

ጋዜጣ ሃረጽ ሸቫ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምምላሱ፣ ንኣማኢት ኣባላት ሰልፊ ሊኵድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ስደተኛታት ብምልኦም ካብታ ሃገር ክወጹ ምዃኖም ዝሓበረ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዶባተን ዘይሓለዋ ሃገራት ብስደተኛታት ተጎቢኤን ከምዘለዋ ብምዝኽኻር፣ እስራኤል ግና ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከምዘበለቶ ጠቒሱ።

 

ኣብ እስራኤል 60 ሽሕ ዝነበሩ ስደተኛታት እኳ እንተነበሩ፣ ነቶም 20 ሽሕ ድሕሪ ምስጓግ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ብዝሒ ናብ 40 ሽሕ ከምዘውረደቶ ዝሓበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ፣ ካልኦት 20 ሽሕ ብምስጓግ፣ ቀስ ብቀስ ንብምሉኦም ክትሰጎም ምዃና ኣስሚርሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ መራሕትን ወከልቲን ኤርትራ ናይ እትርከበን 15 ሃገራት ኣፍሪቃ ብምርኻብ ተዘራሪቡ’ዩ።

እስራኤል፣ ኣብ መሬታ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምጥራዞም ምስ መራሕተን ስምምዓት ከምእተካይድ ይፍለጥ።

ኣቐዲማ’ውን ምስ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ብዘያከደቶ ስምምዕ፣ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ ናብዘን ሃገራት መሊሳ’ያ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0