ኣብ እስራኤል ብግፍዒ ንዝተቀትለ ኤርትራዊ ንምዝካር ናይ ሽምዓ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣብ እስራኤል ብግፍዒ ንዝተቀትለ ኤርትራዊ ንምዝካር ናይ ሽምዓ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 22 October 2015

Habtom

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብእስራኤላውያን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ንዝተቐትለ ኤርትራዊ መንእሰይ ንምዝካር ናይ ሽምዓ ምሸት ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ትማሊ ሮቡዕ 21 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ዝተኻየደ ናይ ሽምዓ መደብ፣ ብዘይካ ኤርትራውያን፣ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፣ ኣባላትን መራሕትን ፖለቲካውያን ውድባት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦትን ዜጋታት እስራኤልን’ውን ከምዝተረኽቡ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ሓቢሩ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዜጋታት እስራኤልን፣ እንዳሳዕሪ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ፣ ሊቨኒስኪ ፓርክ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሽምዓ መደብ፣ ንስድራቤት እቲ ግዳይ ዓመጽ እስራኤላውያን ዝኾነ መንእሰይ ጽንዓት ይሃብኩም ድሕሪ ምባል፣ ብመራሕቲ ሃይማኖት ተሰንዮም’ውን ጸሎተ ፍትሓት ጌሮም።

 

ሃብቶም ወልደሚካኤል፣ ኣብ ከተማ ባር ሸቫ፣ ኣብ መደበር ኣውቶቡስ ኣብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸሙ ክልተ ሰባት ሓደ ስለዝመሰሎም፣ ተኾሲሞም ድሕሪ ምቑሳሎም፣ እስራኤላውያን ብመናብርን ካልእን ጨፍጪፎም ብዘውረድሉ ከቢድ ጉድኣት’ዩ ሞይቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0