ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ምሕባር ዙር ፈረንሳ 2016  ምስ ናይ ክብሪ ዑዱማት ናብ መድረኽ ደይቡ

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ምሕባር ዙር ፈረንሳ 2016 ምስ ናይ ክብሪ ዑዱማት ናብ መድረኽ ደይቡ

Radio Erena: 21 October 2015

DanOParis

መበል 103 ዙር ፈረንሳ 2016፣ ዝሽፍኖ ዙርያን ከባቢታን ኣብ ከተማ ፓሪስ ብወግዒ ኣብ ዝተሓበረሉ፣ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ፣ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ናይ ክብሪ ዕዱም ኮይኑ ቀሪቡ።

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንትኡን ሃገሩ ኤርትራን ወኪሉ ኣብዚ ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ዓለምናን ካልኦት ናይ ክብሪ ዕዱማትን ዝተሳተፍሉ ዕለት ኣብ መደርክ ካብ ዝተጸውዑ ናይ ክብሪ ዕዱማት ክኸውን ዝበቕዐ፣ ቦኽሪ ተሳታፊ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣብ ዙር ፈረንሳን ንዝተወሰነ ዙርያታት ተዓዋቲ ናይ ዓቐብ ማልያ ብምዃኑን’ዩ።

ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ 20 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝተኣንገደ ኣስታት 4 ሽሕ ዕዱማት ዝተረኽብሉ ፍሉይ ስነ ስርዓት ምስ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ናይ ክብሪ ዕዱማት ኮይኖም ናብ መድረኽ ካብ ዝተጸውዑ፣ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ናይዚ ዓመት እዚ ዝኾነ ብሪጣንያዊ ክሪስ ፎሮም ይርከቦም።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ወኪሎም ንመጀመርያ እዋኖም ኣብ ዝተሳተፍሉ መበል 102 ዙር ፈረንሳ፣ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ከምዝሰሓቡ ኣይርሳዕን።

ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝካየድ መበል 103 ዙር ፈረንሳ’ውን ምስታ ስማ ናብ ዳይመንሽን ዳታ ቀይራ ዘላ ጋንትኦም ብምዃን፣ እዞም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብ ናይዚ ዓመት እዚ ዝበለጸ ዓወታት ከንጸባርቑ ትጽቢት ይግበረሎም።

ብመሰረት እቲ ትማሊ ብወግዑ ዝተሓበረ፣ ዙር ፈረንሳ ናይ 2016፣ ካብ ፈረንሳ ጀሚሩ፣ ንስጳኛን ስዊዘርላንድን እናሰናጠቐ፣ ተረርቲ ዓቐብን ቁልቁልን ብምጥቕላል 3519 ኪሎሜተር ክሽፍን’ዩ።
=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0