ስዑዲ ዓረብ 11 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን ኣርባዕተ መራኽብ ኵናት ካብ ኣመሪካ ክትዕድግ’ያ

ስዑዲ ዓረብ 11 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን ኣርባዕተ መራኽብ ኵናት ካብ ኣመሪካ ክትዕድግ’ያ

Radio Erena: 22 October 2015

Warshi

እታ ሃገር፣ ነዘን ዘመናውያን መራኽብ ኵናት ካብ ኣመሪካ ትዕድገሉ ዘላ ኣውራ ምኽንያት፣ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ንምትዕርራይ ተባሂሉ ምዃኑ ወትሃደራውያን ተነትቲ ይጠቕሱ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራዊ ዓብላልነታ ከተረጋግጽ እትሕልን ዘላ ስዑዲ ዓረብ፣ በቲ ምስ ኢራን ዘዋስና ወሽመጥ ፋርስ’ውን ምስ ኢራን ዝዳረግ ወትሃደራዊ ሓይሊ ንምውናን ትጽዕር ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

እታ ሃገር ኣቐዲማ ካብ ፈረንሳ’ውን ቢልዮናት ዶላራት ዝዋግኡ ኣጽዋር ንምሽማት ኣብ ምዝርራብ ከምእትርከብ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

 

ትማሊ ካብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ ድማ፣ ኣመሪካ ነተን ኣርባዕተ መራክብ ኵናት ናብ ስዑዲ ዓረብ ክትሸጠን ካብ ባይቶ ደገፍ ረኺባ ኣላ።

መሸጣ እተን መራኽብ፣ ንጸጥታዊ ውሕስነት እታ ኣብቲ ዞባ መሻርኽቲ ኣመሪኣክ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን መግለጺ ክፍሊ ምክልካል ኣመሪካ የረድእ።

ብሰንኪ ኩነታት የመንን ሶርያን፣ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብዚ እዋን’ዚ ብብዝሒ እጽዋር ይኹመሮ ብምህላዉ፣ ሚዛን ወትሃደራዊ ሓይሊ ንምስትኽኻል ንመጻኢ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል’ውን ተንተንቲ የጠንቕቑ።

ስዑዲ ዓረብ ብደረጃ ዓለም እታ ዝበዝሐ ኣጽዋር እትሽመት ዘላ ሃገር ኮይና ኣላ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0