ኣብ እስራኤል፡ ንህሉውን ሕሉፍን ኩነታት ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን እተንጸባርቕ ዶኮሜንታሪ ፊልም ንምርኢት ቀሪባ

ኣብ እስራኤል፡ ንህሉውን ሕሉፍን ኩነታት ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን እተንጸባርቕ ዶኮሜንታሪ ፊልም ንምርኢት ቀሪባ

Radio Erena: 01 June 2016

theat

ኣብ እስራኤል፡ ንህሉውን ሕሉፍን ኩነታት ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን እተንጸባርቕ ዶኮሜንታሪ ፊልም ንምርኢት ቀሪባ።

እታ ኣብ መንጎ ሓጹራት፣ “Between Fences” ዘርእስታ ፊልም፡ መቐጸልታ ናይታ ብኾሎት ትያትሮል፡ እትፍለጥን ተደጋጋኒ እዋን ንምርኢት ዝቐረበትን ናይ መድረኽ ትያትር ኮይና፡ ምምሕያሽ ተጌሩላ’ኡኣ ብመልክዕ ፊልም ተዳልያ።

ካብ 19 ክሳብ 28 ግንቦት ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝተኻየደ ብDocavivዝፍለጥ ኣህጉራዊ ፌስቲቫል ደኩመንታሪ ፊልምታት ንምርኢት ዝቐረበት ‘ኣብ መንጎ ሓጺራት’ ኣስታት 300 ህዝቢ ከምዝተዓዘባ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ሓቢሩ።

 

ኣህጉራዊ ፈስቲቫል ደኩመንታሪ ፊልምታት (Docaviv)፣ ያፎ ኣብ ዝተባህለ ጥንታዊ ከባቢ ከተማ ቴልኣቪቭ’ዩ ተካይዱ።

እታ ፊልም ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት ተቀይዶም ንዘለዉ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን’ውን ን18 ሰነ ንምርኢት ክትቐርብ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኣብዚ ፌስቲቫል ንምርኢት ዝቐረበት ቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛታ ኣብ እስራኤል፣ ሃብቶም ወልደሚካኤል ዘርኦም እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም፣ ‘ቅትለት ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ’ “ Death in the Terminal” ዝበለጸት ደኩመንታሪ ፊልም ተባሂላ ከምዝተዓወተት ይፍለጥ።

ጉዳይ እቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዛዕብታታ እታ ሃገር ኮይኑ፣ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜናን ኣዳለውቲ ደኩመንታሪ ፊልምታትን ስሒቡ ዘሎ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0