ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደ ሰሙን ህይወት ልዕሊ 800 ሰባት ጠፊኡ

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደ ሰሙን ህይወት ልዕሊ 800 ሰባት ጠፊኡ

Radio Erena: 01 June 2016

ship

ካብ ገማግም ሊብያ ናብ ኢጣልያ ብማእከላይ ባሕሪ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ መዕገቲ ተሳኢንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራይ ህይወት 880 ሰባት ከምዝጠፍአ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሮቡዕ ክሳብ ዓርቢ ዘጋጠመ ምጥሓል ጀላቡ፣ ኣብዛ ዓመት እዚ ካብ ዝተረእየ ሓደጋታት ባሕሪ እቲ ዝኸበደ ምዃኑ’ውን እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

ኣብ ሓንቲ ጃልባ ጥራይ ክሳብ 500 ሰባት ከምዝጠሓሉ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ዜግነት ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ልዕሊ 800 ሰባት ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

 

ኩነታት ምንቕስቓስ ባሕሪን ማዕበልን ሃዲእሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ፣ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ልዕሊ 10 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ክግለጽ እንከሎ፣ 10ታት ኣሽሓት ከኣ ንምስጋር ይጽበዩ ምህላዎም’ዩ ዝሕበር ዘሎ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ሓካይም ብዘይዶብን ህጹጽ ረዲኤት ማእከላይ ባሕርን ዝተባህሉ ኣህጉራውያን ትካላትን ኣብ ምድሓን ስደኛታት ተዋፊሮም እኳ እንተለው፣ ምስዚ ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ግና ሓደጋታት’ውን ክውስኽ ከምዝክእል የጠንቕቑ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሎዕሊ 200 ሽሕ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ኣብ ሊብያ ከኣ ኣስታት 300 ሽሕ ገና ይጽበዩ ምህላዎም ጸብጻባት የመልክቱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0