ልኡኽ መንግስቲ ነርወይ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምዝርራብ ኣስመራ ኣትዩ

ልኡኽ መንግስቲ ነርወይ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምዝርራብ ኣስመራ ኣትዩ

Radio Erena: 01 June 2016

Nor

ከም መቀጸልታ ናይቲ ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ዋሕዚ ስደተኛታትን ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብ ወኪላተን ናብ ኣስመራ ዝልኣካ ዘለዋ፣ ወኪል ነርወይ’ውን ኣብ ኣስመራ ዑደት የካይድ ኣሎ።

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነርወይ ዝተመርሐ ልኡኽ ነርወይ፣ ብዛዕባ’ቲ ንነርወይ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጉዳያት ኮይኑዋ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራን ንምግታኡ ዘሎ ተኽእሎታትን ንምዝርራብ’ዩ ብ31 ግንቦት ኣስመራ ኣትዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ብሚኒስተር ፍትሒ ነርወይ ዝተመርሐ ልኡክ መንግስቲ ነርወይ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ዑደት ምክያዱ ኣይርሳዕን።

 

ኣቐዲሞም’ውን ወኪላት ስዊዘርላንድ ጀርመንን ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ዑደት ድሕሪ ምክያዶም፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ እቲ ኣውራ ጠንቒ ዋሕሲ ናብ ስደት ኮይኑ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ከነውርዶ ምዃኑ ንምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝኣተዎ መብጾዓ ከምዘየተግበረ ምምስካሮም ኣይርሳዕን።

ንሳቶም ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ኤርትራ ዘካየድዎ ዑደት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ይመሓየሽ ምህላዉ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘየለ’ዮም ጠቖሶም።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ናብቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ዝጥቐስ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ንኽበጽሑ ዘቕርበዎ ሕቶ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘይፈቐደሎም ምግላጾም ይዝከር።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነርውይ ዝምራሕ ወኪል’ውን ንኩነታት ኤርትራ ብኣካል ንምዕዛብን ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ንምዝርራብን ናብታ ሃገር ደኣ ይእቶ’ምበር፣ ካብቶም ቅድሚኡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየዱ ሰበ ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ዝፍለ ትዕዝብቲ ከምዘይህልዎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ነርወይ ነቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝነጸገቶም ዜጋታት ኤርትራ ናብ ዓዶም ንምምላስ ውጥን ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።

እታ ብብዝሒ ስደተኛታት እተማርር ዘላ ነርወይ፣ ናብ ሃገሮም ብፍቓዶም ንዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ 3 ሽሕ ኤውሮ ክትህብ ምዃና’ያ ተተባብዕ።

እታ ሃገር፣ ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ መተባብዒ ክትህብ ምዃና ትሕብር ዘላ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ገዚፍ ባጀት የባኽነላ ብምህላዉ’ያ።

ኣብ ዓመት 2015 ኣብ ነርወይ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ኣስታት 31 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ዒራቕን ኤርትራን ምዃኖም ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር የመልክት።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ከኣ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኣስታት 60 ሽሕ ክብ ክብል እቲ ክፍሊ ግምታቱ ይህብ።

25 ዓመት ናጽነታ ዝጸንበለት ንእሽቶን ውሑድን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ፣ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዋሕዚ ስደትን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝጥቐሳ ሃገራት ዓለም’ያ።
===========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0