ኣብ ኤርትራ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ፣ ክልተ እዋን ንዝተማረኸ ኮለነል በዛብህ ጴጥሮስ፣ 45 ሚልዮን ብር ዝወድአ ሓወልቲ ተሃኒጽሉ

Radio Erena: 30 January 2022

ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፣ ድሒሩ ድማ ኣብ 1998 ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን-1998፣ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ ናብ ኤርትራ ወፊሩ፣ ክልተ እዋን ንዝተማረኸ ኣብራሪ፣ ኮለነል በዛብህ ጴጥሮስ ሓወልቲ ተሃኒጽሉ።

ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቃልሐኦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ሃድያ ኣብ እትርከብ፣ ሆሳእና እብ ዝተባህለት ናይ ትውልዲ ዓዱ ዝቖመ ሓወልቲ፣ ሎሚ ሰንበት 30 ጥሪ ኣብ ዝተመረቐሉ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሊዩተናንት ጀነራል ይልማ መርዳሳ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ተረኺቦም።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ‘ጸላእቲ ኣብ ምድምሳስ ዓቢ ታሪኽ ዝሰርሐ ጅግና’ ዝበለቶ፣ ኮለነል በዛብህ ጴጥሮስ ዘቖመትሉ ሓወልቲ፣ ቁመቱ 1.75 ሰንቲሜተር፣ ዝሸፈኖ ከባቢ ድማ ልዕሊ 500 ትርብዒት ሜትሮ ኮይኑ፣ 45.5 ሚልዮን ብር ወጻኢ ከምዝተገብረሉ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

ኮለነል በዛብህ ጴጥሮስ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፣ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ተማሪኹ፣ ብሰብኣዊ ሓልዮትን ክንክንን ተታሑዙ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ምስ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ፣ ምስ ኩሎም እቶም 10ታት ኣሽሓት ኢትዮጵያን ምሩዃት ብሰላም ናብ ዓዱ ከምዝተፋነወ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ 1998 ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኮለነል በዛብህ፣ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ንምድብዳብ ኣብ ዝወፈረሉ ዳግማይ ተማሪኹ፣ ደሃዩ ጠፊኡ።

ኣንጻር ‘ቲ ብህወሓት ዝምራሕ ኢህወደግ ዝቓለሱ ዝነበሩ ምንቅስቓስት ኣምሓራ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኮለነል በዛብህ ክፈትሓሎም ተደጋጋሚ ጻውዒት ከቕርቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኮለነል በዛብህ፣ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንዝሃቦ ምሕረት ጠሊሙ፣ ብዝፈጸሞ እምነት ምጥፋእን ገበንን ከምዝተቐትለ ዝገልጹ ኤርትራውያን ኣለዉ።

ስእሊ፦  ካብ ፋና ብሮድካስቲንግ

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0