ፕረዚደንት እስራኤል፣ ፈላሚ ታሪኻዊ ዑደት ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣካይዱ

Radio Erena: 31 January 2022

ፕረዚደንት እስራኤል፣ ኣይዛክ ሄርዞግ፣ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፈላሚን ታሪኻዊን ዑደት ኣካይዱ።

ፕረዚደንት ዝመርሖ ላዕለዋይ ኣካል መንግስቲ እስራኤል ብሰንበት 30 ጥሪ ናብ ኣቡ ዳቢ ምስ ኣተወ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሸኽ ዓብደላ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ብምራኽብ ዘትዩ።

እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር፣ ዶናልድ ትራምፕ ዝምድና ንምምስራት ኣብ 13 ነሓሰ 2020ካብ ዝሰማማዓ፣ ላዕለዋይ መራሒ መንግስቲ እስራኤል ናብታ ዓረባዊት ሃገር ክበጽሕ ናይ ፈለማ’ዩ።

እስራኤል፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር እትምራሕ ሃገር ኮይና፣ ፕረዚደንት ጽምብላዊ ስልጣን’ዩ ዘለዎ።

ፕረዚደንት እስራኤል፣ ኣብ ዝምድና ሃገራትን ካልእ ምትእስሳራትን ንእወታዊ ምስሊ ሃገሩ ብምውካል፣ ዑደት ዘካይድ እኳ እንተኾነ፣ ናይ ፈጻሚ ኣካል ስልጣን የብሉን።

እዚ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘካየዶ ታሪኻዊ ምብጻሕ ድማ፣ እዘን ክልተ ሃገራት ዝምድንአን ብዝያዳ ንምዕባይ ዘለወን ተበግሶ ዘነጽር’ዩ።

ብፍላይ ጉዳይ ኑክሌርን ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ኢራን፣ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣሻቓሊ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ዑደት ፕረዚደንት ሄርዞግ፣ እስራኤል ኣብ ሕቡራት ኢማራት ደው ከምእትብል ንምርግጋጽ ዝዓለመ መልእኽቲ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0