ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተራሕረሐት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፣ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ስግኣት ፈጢራ

Radio Erena: 30 January 2022

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተራሕረሐት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፣ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ስግኣት ፈጢራ ከምዘላ ተገሊጹ።

ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፣ ንኣህጉራዊ ትካል ሓምላይ ሰላም ብጥቃስ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፣ እታ መርከብ 1.1 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ጽዒና ምህላዋ ኣመልኪቱ።

እታ መርከብ ንዓመታት ጽገና ስለዘይተገብረላ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ክዘሩቕ ብምጅማሩ፣ ኣብቲ ዞባ ብምግፋፍ ዓሳን ካልእን ዝነባበር ህዝቢ ኣብ ስግኣት ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብዚ ብሓሙስ ዕለት 27 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ፣ እቲ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንተፈሲሱ፣ 8.4 ሚልዮን ህዝቢ ናይ መግቢ ሕጽረት፣ ልዕሊ 10 ሚልዮን ህዝቢ ከኣ ናይ ማይ ጸገም ከጋጥሞ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2020 ነታ ዝዓነወት መርከብ ጽገና ክገብረላ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ምንባሩ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን 6 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቓ ምስ ምህላዋን፣ ሑቲ ከኣ ዝበዝሐ ክፋል ሖደይዳ ተቖጻጺሩ ምስ ምህላዉን፣ እቲ ጽገና ክደናጎይ ምኽኣሉ ይግለጽ።

በዚ ሓደጋ’ዚ ዝጥቅዑ፣ ካብ ፍርያት ባሕሪ ዝግልገሉ ኣካል ህዝብታት ኤርትራ፣ የመን፣ ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን ምዃኖም ኣህጉራዊ ትካል ግሪንፒስ ኣመልኪቱ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0