ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ግንባር ከቑሙ ጸቕጢ ይግበረሎም

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ግንባር ከቑሙ ጸቕጢ ይግበረሎም

Radio Erena: 18 November 2014

Mola Agedom

ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ተጠርኒፎም ሓባራዊ ወትሃደራዊ ግንባር ከቑሙ ጸቕጢ ይግበረሎም ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት፣ ብስም ምንቕስቓስ ህዝቢ ሲዳማ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ፣ ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፣ ግንቦት ሸውዓተ፣ ኣርበኞች ግንባርን ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት)ን ዝፍለጡ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ኣስመራን ካልእ ክፋል ኤርትራን ዘቖሙ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ዳግመ ውዳበ ከካይዱን ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ሓባራዊ ወትሃደራዊ ግንባር ከቑሙን’ዮም ጸቕጢ ዝግበረሎም ዘሎ።

 

እዚ ዓይነት ተበግሶ ኣቐዲሙ ከምዝተወስደ ዘዘኸኸሩ እቶም ምንጭታት፣ ብፍላይ ኣብ መንጎ ምንቕስቓስ ኣምሓራ ዝወከለ ኣርበኞች ግንባርን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ- ኦነገን ዝተፈጥረ ምግምማዓት፣ ነቲ መደብ ከምዘፍሸሎ ኣረዲኦም።

መንግስቲ ኤርትራ ጠንቒ’ቲ ምግምማዕ ንዝበሎም መስራቲ ኣርበኞች ግንባር ኮለነል ታደሰ ምሉነህ ዝርከቦም ሓያሎ ሓለፍቲ ኣብ 2010 ክኣስር እንከሎ፣ ካብ ወገን ኦነግ ከኣ ሓያሎ ሓለፍቲ ተቓውሞታቶም ብምግላጽ ካብቲ ናይ ኣስመራ ወገን ከምዝሰሓቡ ዝዝከር’ዩ።

ኣርበኞች ግንባር ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ህላወ ከምዘብቕዐ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ብስም እቲ ግንባር ዝቕጽሉ ሒደት ኣባላት ከምዘለዉዎ’ዩ ዝንገረሉ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከኣ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት ድሕሪ ምግምምዑ፣ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ወገን ናብ ኤርትራ ብዝሰለመ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ኢትዮጵያ ነበረ ብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ ይምራሕ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኦነግ ካብ 2008 ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ድሕሪ ምድኻሙ’ውን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተረፈ ሓይሊ ምስቲ ብግንቦት ሸውዓተ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ሓይሊ ስልታዊ ስምረት መስሪቱ ክንቀሳቐስ ከምዝጸንሐ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝልዓለ ቆላሕታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ዝሓሸ ውዳበን ጥርናፈን ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ደሞክራስያዊ ምንቕስቃስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) እኳ እንተኾነ፣ ነቶም ካልኦት ምንቕስቓሳት ንምኽሳብ’ውን ሓብራዊ ወትሃደራዊ ግንባር ንኸቑሙ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

==========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0