ብ One Day Seyoum ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ንኽፍታሕ ዝጽውዕ ምንቕስቓስ እተካይድ ዘላ መንእሰይ ቫነሳ በርሀ ምስ ጳጳስ ፍራንሲስ ተራኺባ

ብ One Day Seyoum ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ንኽፍታሕ ዝጽውዕ ምንቕስቓስ እተካይድ ዘላ መንእሰይ ቫነሳ በርሀ ምስ ጳጳስ ፍራንሲስ ተራኺባ

Radio Erena: 19 November 2014

Pope and Van

ብዋን ደይ ስዩም (One Day Seyoum) ዝፍለጥ፣ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ፍትሒ ንኽረክብ ዝንቀሳቐስ ፕሮጀክት እተካይድ ዘላ መንእሰይ ቫነሳ በርሀ፣ ምስ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቫቲካን ተዘራሪባ።

መንእሰይ ቫነሳ በርሀ፣ ኣብቲ ብምኽንያት ሳዕሪሩ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ኣምልኪቱ ብሰንበት 16 ሕዳር ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ዋዕላ ንኤርትራ ወኪላ ናይ ኣስታት 15 ደቒቕ መደረ ድሕሪ ምስማዕ’ያ ምስ ጳጳስ ፍራንሲስ ክትራኸብ ዝኸኣለት።

ኣብቲ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዝተዓደሙ ካብ 18 ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም 90 ሰባት ክሳተፉ እንከለዉ፣ ኣብ ሽወደን ዝምቕማጣ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ ቫነሳ በርሀ ንኤርትራ ዝወከለት እንኮ ተሳታፊት ምንባራ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣረዲኣ።

 

ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓያሎ ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲከኛታትን ክኢላታት ሕግን’ውን ተሳቲፎም ኔሮም።

ንሳ ኣብቲ ንሬድዮ ኤረና ዝሃብቶ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ ጠንቒ ስደትን ምብትታንን ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ጸገም ኤርትራ ንምእላይ ምትሕብባር መላእ ማሕበር ሰብ ዓለም ከምዘድሊ ከምዘስመረትሉ ጠቒሳ።

ኣኳኣ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ን13 ዓመታት ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕን ሃለዋቱ ኣብ ዘይፍለጥን ኣብ ቀይዲ ከምዘሎ ከም ኣብነት ብምዝኽካር ከኣ፣ ኤርራውያን ካብዚ ንምህዳም ግዳያት ስደትን ከም ምስግጋር ዘይሕጋዊ ደቂ ሰብ ዝኣመሰለ ስደት ዘምጽኦ ሳዕቤናትን ይኾኑ ምህላዎም ኣገንዚባ።

ቫኔሳ ኣብ መወዳእታ፣ ከም ኣካል ናይቲ እተካይዶ ዘላ ዋን ደይ ስዮም ፕሮጀክት፣ ካብ ሎሚ ዝጅምር ናጻ ኤርትራ –Free Eritrea ዝተሰምየ ናይ ጎስጓስ ዘመተ ንምክያድ ተበጊሶም ምህላዎም ኣፍሊጣ።

ቫኔሳ በርሀ ጓል ሓብቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከብ ተጋዳላይ ሰኣላይ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ኮይና፣ ስዮም ጸሃይን ብጾቱን ፍትሒ ክረኽቡ ዝጽውዕ ዋን ደይ ስዮም ዝተሰምየ ፕሮጀክት ብተበግሶኣ ተንቀሳቕስ ምህላዋ ይፍለጥ።

ፕሮጀክት ዋን ደይ ስዮም፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመቱ ኣዝዩ ተቀባልነት ዝረኸበ ንጋዜጣን ስዮምን ካልኦት ኤርትራውያን እሱራትን ፍትሒ ክረኽቡ ዝጽውዕ ናይ ጎስጓስ ምንቕስቓስ’ዩ።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0