“ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት የብላን፣” ኣምባሳደር ሃና ስምኦን

“ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት የብላን፣” ኣምባሳደር ሃና ስምኦን

Radio Erena: 22 January 2016

Hanna Simon

ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት የለውን ክትብል ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን ክሒዳ።

እታ ኣምባሳደር ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፍራንስ 24 መደብ ኣፍርቃ ጆርናል ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቅ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱር ዝብሃል ከምዘየለ ብምክሓድ፣ ነቶም በብእዋኑ ዝጥቀሱ እሱራት ከኣ ኣብ እዋን ኵናት ብጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ዝተታሕዙ’ዮም ክትብል ገሊጻቶም።

ኣምባሳደር ሃና ስምኦን፣ ነቲ ብኣምነስት ኢንተርናሽናልንን ካልኦት ትካላትን ዝቐረብ ኣብ ኤርትራ ብፖለቲካ ሃይማኖትን ስግረ ዶብን ዝተተሓሓዘ ኣስታት 10 ስሕ እሱራት ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ’ውን ሓሶት’ዩ ክትብል ነጺጋቶ።

 

ንጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ብምስልከት ንዝቀረበላ ሕቶ’ውን፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ኵናትን ድኽነትን ዝሃድሙ ከምዘለዉ ብምሕባር፣ ሃገራት ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝህበኦም ዘለዋ ሓለፋ፣ ሓያሎ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ውን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ይሓቱ ብምህላዎም ንቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጋኒንዎ ከምዘሎ’ያ ጠቒሳ።

እታ ኣምባሳደር፣ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ፕረስ የለን፣ ፖለቲካውይን ሰልፍታት’ውን የለዋን፣ ሓደ ፕረዚደንት ን25 ዓመታት ብዘይምርጫ ኣብ ስልጣን ኣሎ..ንዝብል ዝቐረበላ ሕቶ ከኣ፣ ኣብ ኤርትራ ካልእ ህጹጽ ጉዳያት ስለዘሎ ምርጫ ንምክያድ ኣይፈቕደልናን’ዩ። ኩነታትና ኣብ ዝፈቐደልና ምርጫ ክንገብር ኢና ክትብል’ያ መሊሳ።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ መዓስ ክኸውን ይኽእል ንዝብል ብፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ንዝቐረበላ ናይ ግዜ ሕቶ ከኣ፣ ኩነታትና ምስ ፈቐደ ካብ ምባል ሓሊፋ ርጉጽ ዕለት ወይ ከኣ ውሱን ግዜ ክትጠቕስ ከምዘይትኽእል ሓቢራ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0