ሕ/ኢ ዓረብ ንኤርትራ ኣብ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ንሶማል ከኣ ናይ ኮማንዶ ስልጠናታት ትህብ

ሕ/ኢ ዓረብ ንኤርትራ ኣብ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ንሶማል ከኣ ናይ ኮማንዶ ስልጠናታት ትህብ

Radio Erena: 22 January 2016

Somalia

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንኤርትራን ሶማልን ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጠናታት ትህብ ከምዘላ ወትሃደራዊ ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እታ ሃገር፣ ንኤርትራ ኣብ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕርን ምሕደራን ዘተኮረ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጣና ኣብ ምሃብ ከምዝጸንሐት ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ከኣ ንፍሉያ ሓይልታት ሰራዊት ሶማል ኣብ ምስልጣን ተዋፊራ ከምዘላ ጠቂሶም።

እቶም ንሓያሎ ኣዋርሕ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ሶማላውያን ኮማንዶ፣ ሰበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ስነ ስርዓት ምረቓ ከምዝተኻየደ’ውን ተሓቢሩ።

 

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘይካ’ቲ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ፣ ንኤርትራ ኣብ ኣካዳምያውን ሞያውን ንዝስልጠኑ ተማህሮ’ውን ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ከፊታ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

ወትሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ዝተላእኩ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብውሕዱ ኣርባዕተ ናብ ካልእ ሃገራት ብምስጋር ዑቕባ ከምዝሓተቱ’ውን ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0