ኣብ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ምቕይያር ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን፣ መንግስቲ ውሽጣዊ ርግኣት ስኢኑ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ተሓቢሩ

ኣብ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ምቕይያር ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን፣ መንግስቲ ውሽጣዊ ርግኣት ስኢኑ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 October, 2014

Cabine

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀጻሊ ምቕይያር ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣብ ዝካይደሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ መንግስቲ ውሽጣዊ ርግኣት ስኢኑ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኹ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

ድሕሪ’ቲ ኣብ 21 ጥሪ 2013 ፎርቶ ሚኒስትሪ ዜና ዝተኻየደ ስርሒት፣ ቀጻሊ ምእሳርን ምቕይያርን ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ይርአ ምህላዉ’ውን ኣገንዚቦም።

 

ስርሒት ፎርቶ ካልኣይ ዓመቱ ተቃሪብሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ተደጋጋሚ ምቕይያር ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ይቕጽል ብምህላዉ፣ እቲ መንግስቲ ሕጅ’ውን ዘለዎ ስግኣት ዘርኢ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ሚኒስትሪታት ምክልኻልን ዜናን ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ወግዓዊ ሚኒስተር ከምዘለዋ ኣረዲኦም።

ሚኒስትሪታት ብዘይ ወግዓዊ ሚኒስተር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክጸንሓ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመሓደር መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበረ ኣቶ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ድሕሪ ምሟቱ፣ እቲ ሚኒስትሪ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ብዘይ ወግዓዊ ሚኒስተር ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።

ጽገናዊ ለውጢ ዝሓተቱ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበረ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተውሉ ኣብ 2001’ውን ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ብተደጋጋምን ኣብ ሓሓጺር ግዜን ምቕይያር ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ኣምሓደርቲ ዞባታትን ተራእዩ ምንባሩ ይዝከር።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0