‘ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት፣ ዘይንቡርን ክብርታት ሕብረተሰብ ዘነውርን’ዩ።’ ክብሉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም

Radio Erena: 24 April 2023

‘ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ዝፍጸም ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ዘይንቡርን ክብርታት ሕብረተሰብ ዘነውርን ምዃኑ፣ ራድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ዝተወከሰቶም ኣመንቲ ጴንጤቆስጣል ገሊጾም።

እቶም ስሞም ምእንቲ ድሕነቶም ዓቂብናዮ ዘሎና ኣመንቲ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከዘራርብ ዝቐነየ፣ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ዝተኸልከለ ፓስተር ተስፋይ ስዮም ተወኪስናዮም ኣብ ዝሃቡና ሓበሬታ፣ እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣብ ኤርትራ ንመጀመርያ እዋኑ ዝጋሃድ ዘሎ ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር፣ ቅድሚኡ ብዙሓተ ብተመሳሳሊ ከምዝሓለፉ ኣረዲኦም።

‘ምስ ሬሳ ዝጓተትን ዝማጎትን ስርዓት’ዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ’ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ ነዚ ኣብ ታሪኹ ተራእዩ ዘይፍለጥ ክብርታቱ ዘነውር ተግባራት ከይሓብሮ ተማሕጺኖም።

ን12 መዓልታት ከይቅበር ተኸልኪሉ ዝጸንሐ ኣማኒ ጴንጠቆስጣል ክርስትና፣ ፓስተር ተስፋይ ስዮም፣ ቀባሮ ኣብ ዘይብሉ ብቀዳም 22 ሚያዝያ፣ ኣብ ሓዝሓዝ ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰ’ዩ ተሓቢሩ።

ፓስተር ተስፋይ፣ ን10 ዓመታት ተኣሲሩ፣ ብሕማም ክሳቐ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ ናብ ሕክምና ኣምሪሑ ክእለ ብምጽናሕ፣ ኣብ 9 ሚያዝያ ዓሪፉ።

እንተኾነ፣ ንቡር ስርዓተ ቀብሪ ከይረክብ፣ ብመንግስቲን ሰዓብቱን ስለዝተኸልከለ፣ ን12 መዓልታት ሓመድ ኣዳም ከይለበሰ ጸኒሑ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ተሓይሮም ዝጸንሑ ሓያሎ ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት፣ ገሊኦም ምስ ዓረፉ፣ ስድራቤታቶም ብወግዒ ከይተረድኡ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ከምዝተቐብሩን፣ ገሊኦም ድማ ዛጊት ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎን እቶም ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ዘመልክቱ።

ንኩነታት ኣመንቲ ጴንጤቆስጣል ንነዊሕ እዋን ክከታተልን ክሕብርን ዝጸንሐ ሃኒባል ዳኒኤል ብወገኑ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ንፓስተር ተስፋይ ኣብ ኣጋ ሞቱ ከምዘውጽእዎ ብምጥቃስ፣ ቅድሚ ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ ምሕረትብን ተስፋጋብርን ንዝተባህሉ ሰዓብቲ እቲ እምነት፣ ምስ ሓመሙ ኣብ ኣጋ ሞቶም ምስወጹ ከምዝዓረፉ ኣዘኻኺሩ።

ንሱ፣ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ዘርጊሕዎ ዘሎ ሓበሬታ በተወሳኺል ተኪኤ፡ ፍጹም፡ ፍቓዱን ኣዜብን ዝተባህሉ ኣመንቲ ጴንጤቆስጣል፣ ብምኽንያት እምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርት ከምዝዓረፉ ገሊጹ።

መሰል እምነታት ዜጋታት ብምግሃስ ልሉይ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ፣ ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ፓትርያርክ ዝርከብዎም፣ ኣማኢት ኣቦታት፣ መራሕቲን ሰዓብትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ከምዝኣሰረ ይፍለጥ።

ንኣስታት 17 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ 9 ለካቲት 2022፣ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሚኦም ምስ ዓሩፉ’ውን ብሃይማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ እትእለ ሲኖዶስን ጳጳሳታን፣ ንኣቡነ እንጠንዮስ ወግዓዊ ናይ ፓትርያርክ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብምንፋግ፣ ብዙሕ ተሳታፊ ኣብ ዘይተረኽበሉ፣ ሬስኦም ብመቕርቦም ተጼሩ ኣብ ገዳም ክቕበር ምግባራም ይውቀሱ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተሳተፉ፣ ባሕታዊ የነታ እዝራ ክብርኣብ፣ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝርከብ ማሕበር ገዳም ደብረ ድማ ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ከምዝተቐትሉ፣ መግለጺ ቀኖናዊ ኣህጉረ ስብከታት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምርግጋጹ ይዝከር።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0