መንግስቲ ኢትዮጵያን ኦነግ ሸኔን፣ ሰሉስ 25 ሚያዝያ፣ ዘተ ክጅምሩ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ገሊጹ

Radio Erena: 24 April 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ -ሸኔን፣ ሰሉስ 25 ሚያዝያ፣ ኣብ ታንዛንያ ዘተ ክጅምሩ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲን ህወሓትን ዝብገስ ስምምዕ ንፖለቲካዊ ዘተ፣ ወግዓዊ ኣፍልጦ ንምሃብ፣ ‘ውግእ የብቅዕ፣ ሰላም ነጽንዕ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፣ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ዝተኸፍተ ኣጋጣሚ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

‘ክልተ ዓመታት ካብ ምውጋእ 20 ዓመታት ምዝታይ ይሓይሽ’ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ህዝቢ ወላጋ’ውን መስተርሆት ክረክብ፣ ኩሉ ወገን እጃሙ ከበርክት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ንሱ፣ ምስ ኦነግ ሸኔ ዘተ ከምዝጅምር እኳ እንተሓበረ፣ ተዛተይቲ ይኹን ኣዛተይቲ መነ መን ምዃኖም ዝርዝር ሓበሬት ኣይሃበን።

ኦነግ ብወገኑ ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ የለን።

እቲ ንሓርነት ኦሮሞ ከምዝቃለስ ዝገልጽ ግንባር፣ ኣቐዲሙ ብ29 መጋቢት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዘቕረበሉ ናይ ሰላም ጻውዒት ከምዘየለ፣ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ፣ ብውሕዱ 10 ግዜ ፈተነታት ኣካይድና ድሕሪ ምባሉ’ዩ፣ እቲ ግንባር ነቲ መግለጺ ‘ካብ ሓቒ ዝረሓቐ’ ክብል ዝነጸጎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ጻውዒት ጻዕርታት ጌረ ዝብሎ ዘሎ፣ ኣባላት ኦነግ ዕጥቖም ፈቲሖም ኢዶም ክህቡ፣ ብመንገዲ ዓበይቲ ዓዲ ንዘካየዶ ዘይዕዉት ፈተነ ምዃኑ ‘ውን ጠቒሱ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ብመንጎኝነት ሳልሳይ ኣካል ንዝካየድ ዝርርብ ድሉው ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ዘለዋ 20 ዞባታት፣ ብውሕዱ ኣብተን 8 ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታቱ ብምውፋር፣ ነቲ ዞባታት፣ ካብ ዕጡቓት ኦሮሞ ሓራ ክገብሮ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ፈተነ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ እንኮ ኣማራጺ ዘተ ሰላም ጥራይ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ጻዊዒት ክቐርብ ጸኒሑ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0