ኣብ ኣፍሪቃ፣ ቅድሚ’ዚ ናይ ኮረና ቫይረስ እዋን፣ ዝበዝሐ ዓምታዊ ጃምላዊ እቶት ዝጸንሐን ሃገራት መነ መን’የን? ዝተሓተኸ?

Radio Erena: 07 October 2020

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዝበዝሐ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ዘለዋ ሃገር ናይጀርያ’ያ።

እዛ ካብ ነዳዲን ካልእን ዓመታዊ፣ ልዕሊ 446 ቢልዮን ዶላር ጃምላዊ እቶት ዘለዋ ሃገር፣ ብብዝሒ ህዝቢ’ውን ቀዳመይቲ’ያ። ብዝሒ ህዝባ 195 ሚልዮን’ዩ ዝበጽሕ።

ንናይጀርያ ስዒባ፣ ብልዕሊ 358 ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ኣብ ካልእይ እትስራዕ ድማ፣ ልዕሊ 58 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃ’ያ።

ግብጺ (302 ቢልዮን) ፣ ኣልጀርያ (172 ቢልዮን)፣ ሞሮኮ (119 ቢልዮን)፣ ኬንያ (99 ቢልዮን)፣ ኣንጎላ (91.5 ቢልዮን)፣ ኢትዮጵያ (91)፣ ጋና (67 ቢልዮን)፣ ታንዛንያ (62 ቢልዮን) ድማ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ዓስራይ ንዘሎ ቦታ ሒዘንኦ ይርከባ።

ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ምስ 10 ቀዳማት ዝበዝሐ ጃምላዊ እቶት ዘለወን ሃገራት ዝተሰርዓ ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ታንዛንያን ጥራይ’የን።

ብኣንጻር እዚ ዝተሓተ ጃምላዊ እቶት ዘለወን ሃገራት ከ? መነ መን’የ?

ሶማልያ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ብሩንዲ፣ ላይበርያ፣ ኒጀር፣ ማላዊ፣ ሞዛምቢክ፣ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳንን ማዳጋስካርን ብቅደም ተኸተል እተን ዝወሓደ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ’የን።

ሓፈሻዊ ጃምላዊ እቶት እዘን ሃገራት ካብ 15 ክሳብ 2 ቢልዮን ዶላር’ዩ ዝጸጋጋዕ።

ንኣብነት ኤርትራ 2.6 ቢልዮን ጃምላዊ እቶት ከምዘለዋ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ይጠቅስ።

ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት፣ ማለት፣ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ ዓመት፣ ካብ ሰደድ ይኹን ካልእ ፍርያት ዝረኸበቶ ውህሉል ገንዘብ ማለት’ዩ።

ሓንቲ ሃገር ዝበዝሐ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ኣለዋ ማለት ግና፣ ዜጋታታ ዝበዝሐ ዓመታዊ እቶት ኣለዎም ማለት ኣይኮነን።

ንኣብነት፣ ዝበዝሐ ጃምላዊ እቶት ካብ ዘለወን ቀዳሞት 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰሪዓ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ዝበዝሐ ካብቲ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝባ፣ ካብቲ ዝወሓደ ኣታዊ ዘለዎ ህዝቢ ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0