ካብ የመን ዝምለሱ ዝነበሩ 8 ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም

Radio Erena: 07 October 2020

ካብ የመን ዝምለሱ ዝነበሩ 34 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምጥሓላ ብውሕዱ 8 ካብኣቶም ከምዝሞቱ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM ) ኣፍሊጡ።

14 ብህይወት ክድሕኑ እንከለዉ፣ ዛጊት ናይ 12 ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

እታ ጃልባ ኣብ ገማግም ጂቡቲ ድሕሪ ምብጽሓ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዘሰጋግርዎም ዝነበሩ ሰባት፣ ብግዴታ ክዘሉ ስለዘገደድዎም እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ገሊጾም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ጸጥታዊ ኩነታትን፣ ስዑዲ ዓረብ ዶባታ ብጽኑዕ ብምዕጻዋ፣ ኣብ የመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ብሓገዝ ኣህጉራዊት ማሕበር ስደተኛታት፣ ብመንገዲ ጂቡቲ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንከለዉ፣ ንደላሎን ኣሰጋገርቲን ገንዘብ ብምኽፋል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝምለሱ ከምዘለዉ’ውን ጸብጻብ እቲ ትካል የመልክት።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0