ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ናይ ባጀት ድጎማ ከምዘይገብር ኣፍሊጡ

Radio Erena: 07 October 2020

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ናይ ባጀት ድጎማ ከምዘይገብር ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዘፍለጠ፣ ክልል መንግስቲ ትግራይ፣ ሕጋዊ ናይ ስልጣን ዘመኑ ኣብቂዑ’ዩ ብዝብል ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምዘይህብን ኣብቲ ፈደራላዊ መንግስቲን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ንዝነበሩ ኣባላቱ ክስሕብ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፣ ንኣፈኛ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ኣደም ፋራሕ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ብዘይካ’ቲ ናይ ባጀት ድጎማ ደው ምባሉ፣ መልእኽቲ ምልውዋጥ፣ ደብዳቤታ ምጽሕሓፍ፣ ብደረጃ ፈደራል ኣብ ዝካየዱ ውሳኔታትን ጉባኤታትን ካብ ምስታፍ’ውን ከምዝኽልክሎ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምርካብን ልምዓታዊ መደባቱ ንምክያድን፣ እቲ ፈደረሽን ብመንገዲ ኮሚተ ኣብ ዝቖውም ኣካል ኣቢሉ ምስ ቀበሌታትን ወረዳታትን ርክቡ ከምዝቕጽል’ዩ ጠቒሱ።

ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ብተወሳኺ፣ ናይዚ ኩሉ ተሓታቲ፣ ክልላዊመንግስቲ ትግራይ ኣቝሙ ዘሎ ህወሓት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እዚ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን እናገፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበኣሰ ተነጽሎን ካልእ ፖለቲካዊ በደላትን ከብጽሕ ከምዝኽእል ይትንተን።

ካልኦት ወገናት ድማ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ተኸሲቱ ዘሎ ምርሕሓቕ፣ ንክልል ትግራይ ናብ መሰል ርእሰ ውሳኔን ሕቶ ናጽነትን ክደፍፋፍኦ ከምዝኽእል ይእንፍቱ።

ስእሊ፣- ካብ EBC

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Mejemerita selamta dehar kea ABA tigray zelewa Eritrean 14 awali b anida era tederibyen zelewa kitkibelu zey keaikum hafti tiblu abet natikum .