ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መስጊድ ኣንዋር ብሰለማዊ ሰልፊ ዝተጓሃረ ግጭት ተኻይዱ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መስጊድ ኣንዋር ብሰለማዊ ሰልፊ ዝተጓሃረ ግጭት ተኻይዱ

Radio Erena: 24 July, 2014

Ethio Muslim

ብዓርቢ 18 ሓምለ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መርካቶ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣንዋር፣ ኣመንቲ ምስልምና ንናይ ዓርቢ ጸሎት ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን፣ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ተሪር ተቃውሞ ምክያዶም ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ፖሊስ ጎነጽ ከምዝተጠቕሙን፣ ኣባላት ፖሊሲ ዝርከብዎም ኣብ ሓያሎ ሰባት ድማ ጉድኣት ከምዝበጽሐን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝልዓለ ኢድ ኔርኩም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 10ታት ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ቀይዲ ከምዝኣቱ ዘመልከተ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ድማ፣ ገሊኦም ድሮ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ እንከለዉ፣ ናይ ገሊኦም ጉዳይ ድማ ገና መርመራ ይካየደሉ ምህላዉ ጠቒሱ።

 

ኣብ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተኻየደሉ ከባቢ መርካቶ፣ ብላኼማ ዝተኣስሩ ሓለፍቲ መንገዲ ከምዘለዉ’ውን ዝተፈላለየ ምንጭታት ዜና’ታ ሃገር ሓቢረን።

ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መሳጊድ ተቓውሞ ምክያድ ካብ ዝጅምሩ ካልኣይ ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ።

እቶም ኣመንቲ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዱ ይስሓብ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ጣልቓ ምእታው የብቕዕ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ንኹሉ ኢትዮጵያ…ወዘተ ዝኣመሰለ ሕቶታት ብምልዓል’ዮም ተቓውሞታት ዘካይዱ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0