ኣባል ፓርላማን ህብብቲ ሙዚቀኛን ሶማል ተቐቲላ

ኣባል ፓርላማን ህብብቲ ሙዚቀኛን ሶማል ተቐቲላ

Radio Erena: 24 July, 2014

Ass soma

ኣባል ፓርላማ ሶማል ሰዓዶ ዓሊ ዋርሰማ፣ ኣብ ሞቛድሾ ተቐቲላ።

እታ ኣባል ፓርላማ፣ ካብ መኪና ብዝተተኾሰላ ጥይት ከምዝተቐትለት ዘረጋገጸ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ብተመሳሳሊ ኣጋባብ ካብ ዝተቐትሉ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ራብዐይቲ ምዃና ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ናይ ጾም ሮሞዳን ካብ ዝኣቱ ድማ፣ ካብ መኪና ብዝተተኮሰሎም ጥይት ክልተ ኣባላት ፓርላማ ተቀቲሎም ኣለዉ።

መራሒ መኪና ናይታ ህብብቲ ሙዚቐኛ ዝነበረት ኣባል ፓርላማ ሶማል’ውን ኣብቲ ፍጻሜ ከምዝተቐትለ ፖሊስ ገሊጹ።

 

ኣልሸባብ ናይቲ ቕትለት ሓላፍነት ክወስድ እንከሎ፣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዝተሓባበር ዝኾነ ዜጋ እታ ሃገር ናይ ምቕንጻል ስርሒት ክቕጽሎ ምዃኑ’ውን ኣጠንቒቑ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0