ፖሊስ ኢጣልታ፣ ብሞት 60 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ቀይዱ

ፖሊስ ኢጣልታ፣ ብሞት 60 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ቀይዱ

Radio Erena: 24 July, 2014

Arrested smag

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ብሞት 60 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ብሰሉስ 22 ሓምለ ኣብ ሮማ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣብ ቀይዲ የእትዮም።

እቶም ጥርጡራት፣ ነቶም ብ18 ሓምለ ብሕጽረት ትንፋስ ዝሞቱ 30 ስደተኛታን ካልኦትን ጠንቒ ሞት ኮይንኩም ብዝብል’ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ።

ብህይወት ዝደሓኑ ስደተኛታት ንፖሊስ ኢጣልያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ጠንቂ’ቲ ጽቕጥቕጥን ሞትን፣ እቶም ጥርጡራት ኮይኖም፣ ንስደተኛታት ሕጽረት ትንፋስ ኣጋጢምዎም ኣየር ንምውሳድ ካብ ውሻጠ ናይታ ጃልባ ናብ ላዕሊ ኣብ ዝወጽሉ እዋን ብኻራሩን ኣባትርን ይሃርምዎ ከምዝነበሩ፣ ሓያሎ ድማ ብኻራ ተሃሪሞም ህይወቶም ከምዝሓለፈ መስኪሮም።

 

ኣስታት 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ተጸቓቒጦም ኣብ ውሽጣ ናይታ ጃልባ ብዘይእኹል ትንፋስ ክጎዓዙ ብምግዳዶም ድማ ህይወት ናይ 30 ሰባት ክጠፍእ ከምዝኽኣለ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሬሳ ናይቶም 30 ሰባት ኣብ ውሻጠ ናይታ ጃልባ ተጸፋጺፉ ክጸንሕ እንከሎ፣ ናይቶም ኣስታትይ 30 ካልኦት ግና ኣይተረኽበን።

ብዘይካ’ዞም ብጠንቒ ሞት ስደተኛታት ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው ሓሙሽተ ሰባት፣ ካልኦት ሰለስተ’ውን ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ኢድ ኣለኩም ብዝብል ክሲ ተታሒዞም ኣለዉ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0