ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ናዕቢ ተኸሲቱ

Radio Erena: 03 May 2022

ባሕቲ ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩሉ ኣብ ዝወዓለ እዋን፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኤውሮጳ ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕብታት ተኻዪዱ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፈረንሳውያን፣ ብሰንበት 1 ግንቦት ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዘካየዱዎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ናብ ናዕቢ ብምዕራጉ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀሙ ከምዘገደዶም ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብታ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ፣ ልዕሊ 116 ሽሕ ህዝቢ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝወጸ ዝሓበረ ፖሊስ ፈረንሳ ብወገኑ፣ ሰልፈኛታት ንብረትን ኣባይትን ከዕንዉ ምስ ጀመሩ፣ ሕጊ ጥሒሶም ንዝበሎም 54 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣመልኪቱ።

ኩሉ ዓይነት መሰላት ኣብ ዝተሓረማ ኤርትራ፣ ኣብ ቀጽሪ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ዝተኸብረት ‘ሜይደይ’፣ ኣቦ ወንበር’ቲ ኮንፈደረሽን ኣቶ ተኸስተ ባይረ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እታ መዓልቲ ሸቃሎ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ንጥፈታት ሃገሮም ድምጾም ብዓውታ ዘስምዑላ መዓልቲ’ያ ክብል ገሊጹዋ።

ብመሰረት ኣብ 2018 ዝወጸ ኣህጉራዊ ምደባ፣ ብደረጃ ዓለም ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ውሕስነት ሰራሕተኛታት ዘይተረጋገጸለን ሃገራት ተባሂላ፣ ምስ ብሩንዲ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ሶርያን የመንን ዝኣመሰላ ሃገራት ትስራዕ።

ባሕቲ ግንቦት ኣብ ኤርትራ ንመበል 31፣ ኣብ ዓለም ከኣ ንመበል 132 ግዜ እያ ተኸቢራ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0