ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ግጭት ተኻዪዱ

Radio Erena: 03 May 2022

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ መንጎ ዒድ ኣልፈጥር ንምብዓል ዝተኣከቡ ኣመንቲ ምስልምናን ኣመንቲ ክርስትናን ግጭት ከምዝተኻየደ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣህጉራዊ ስታድዩም እታ ከተማ ብምምልኡ፣ ኣብ ከባቢ’ቲ ቀጽሪ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከበ ህዝቢ መጥቃዕቲ ወሪዱ፣ ክብል ቆንስል ምስልምና’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንምንታይ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝሰግዱ ዝነበሩ ኣመንቲ ምስልምና መጥቃዕቲ ወሪዱ ግና ንጹር ከምዘይኮነሉ ኣመልኪቱ።

ፖሊስ’ታ ከተማ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝተጋጨዉ ዝበዝሑ መንእሰያት ኣመንቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት፣ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝደርበየ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓደ ካብ ኣባላት ፖሊስ ብጌጋ ነቲ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝደርበዮን ብኡ ንብኡ ብካልኦት ኣባላት ፖሊስ ካብቲ ከባቢ ከምዝርሕቕ ከምዝተገብረን ኣመልኪቱ።

ገለ ካብቶም መንእሰያት፣ ‘ፍትሒ ንጎንደር’ ኢሎም እንዳጨርሑ፣ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ኣእማን ከምዝደርበዩ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ብብሄርን ቀቢላዊን ግጭታት ኣብ እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ጎንደር ዝተጎሃሃረ ሓድሽ ግጭት፣ ነቲ ድሮ ፈሺሉ ዘሎ ጸጥታዊ ርግኣት እታ ሃገር ሓድሽ ኣንፈት ከየትሕዞ ስግኣት ሰፊኑ ይርከብ።

እቶም ናብ ቀጽሪ’ቲ ስታድዩም ዝኣተዉ ኣመንቲ ምስልምና፣ ኣብ ኣፍደገ ተፍትሽ ተገይሩሎም ይኣትዉ ብምንባሮም፣ ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዘይነበረ ዘመልከተ ቆንስል ምስልምና’ታ ሃገር፣ ኩሎም ወገናት ካብ ምጉህሃር’ቲ ግጭት ክቑጠቡ ጸዊዑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0