ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት፣ ካብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናጻ ምህላወን ተገሊጹ

Radio Erena: 21 May 2020

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ካብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናጻ ምህላወን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣስታት 46 ሽሕ ሰባት ብዝተገብረ መርመራ፣ 389 ሰባት ኮረና ቫይረስ ክርከቦም እንከሎ ሞት ሓሙሽተ ሰባት ድማ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ለበዳ፣ ናብቲ ልዕሊ 760 ሽሕ ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዝርከብ መዓስከራት ከምዘይተላበዐ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ናይ 15 ግንቦት ወቕታዊ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ ኩለን እተን መዓስከራት፣ ምልክታት እቲ ሕማም ዝተራእዮም ሰባት ዝፍለይሉን ዝውሸቡሉን ግዜያዊ ማእከላት ኣዳልዩ ከምዘሎ ዝሓበረ UNHCR፣ ብዝያዳ ግና እቲ ቫይረስ ከይኣቱ ኣብ ምክልኻል የድህብ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ዝኾኑ ልዕሊ 800 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለው’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ዝርከብ ኣርባዕተ መዓስከራት ጥራይ ልዕሊ 70 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ 13 ሽሕ ኤርትራውያን ኣዕቝቡ ንዘሎ መዓስከር ሕጻጽ ብምጻው ናብተን ካልኦት ክልተ ፋሕ ከብሎም መዲቡ ይርከብ።

እቲ መንግስቲ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምቁጽጻር ምንቕስቓስ ሰባት ኣብ ዝድረተሉ ዘሎ እዋን፣ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ምሕሳቡ ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑ ተቃውሞታት ይውሕዞ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቶም ኣብ ጽላል UNHCR ተመዝጊቦም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣስታት 80 ሽሕ ዝኾኑ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ከምዝነብሩ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Thanks tigray peaple for sheltering our people in this unprecedented time.
    God bless tigray.