“ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭት 10ታት ሰባት ተቐቲሎም።” ሓካይም ብዘይዶብ

Radio Erena: 21 May 2020

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዝርከብ ዞባ ጆንገሊ፣ ፒየሪ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብዝተጎሃሃረ ግጭት 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 50 ድማ ከምዝቖሰሉን ሓካይም ብዘይዶብ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ድሒሩ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ኣብ ጥቃ’ቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደር ማእከል ሕክምና ብምክያዱ፣ ሓደ ኣባሉ ከምዝሞተን ክልተ ድማ ከምዝቖሰሉን ኣረጋጊጹ።

እቲ ትካል፣ በቲ ግጭት ዝቖሰሉ ልዕሊ 50 ሰባት፣ ኣብ ካልእ ዞባ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ከምዘግዓዘ እኳ እንተሓበረ፣ ጠንቂ’ቲ ግጭት ግና ኣይጠቐሰን።

ካልኦት ምንጭታት ብዝህብዎ ዘለዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ወትሃደራዊ ክዳን ዝለበሱ ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ብውሕዱ ኣርባዕተ ቁሸታት ብምእታው ድሕሪ ዝኸፈትዎ ቶኽሲ ኣስታት 200 ሰባት ሞይቶም።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ፣ ጀነራል ጋብሪኤል ጆክ ሪያክ ዝርከቦም ሓያሎ ላዕለዎት ወትሃደራዊ ሰበ ስልጣን ካብ መዝነቶም ምስጓጉ፣ ናዕቢ ከጎሃሃር ከምዝኽእል ተኣንፊቱ ኔሩ’ዩ።

ደቡብ ሱዳን፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፣ ሓሙሽተ ምክትላት ፕረዚደንት ዘለዎ ሓደሽ ናይ ልፍንቲ መንግስቲን ምምሕዳር ዞባታትን ኣቝማ ከምዘላ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0