“ኤርትራ፣ ካብ 800 ሰባት ንላዕሊ ክሕዝ ዘይግብኦ ዓዲ ኣቤቶ ልዕሊ 2500 እሱራት ተጨቓጪቖም ኣለዉ።” ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

Radio Erena: 21 May 2020

ኣብ ዓዲ ኣቤቶ፣ ማይ ስርዋን ዓላን ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ እሱራት ብዘይእኹል ማይን ጥዕናዊ ውሕስነትን፣ ብሕማቕ ተታሒዞም ከምዘለዉ ኣምነስቲ  ኢንተርናሽናል ሎሚ 21 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣቃሊዑ።

እቲ ኣህጉራዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ካብ 2017 ኣትሒዙ ክእክቦ ብዝጸንሐ ሓበሬታ፣ እቲ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ሰብ ክተሓዘሉ ዘይበቅዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምስ ዘሎ ናይ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ካልእ ስግኣታትን፣ ተጨቓጪቖም ዝርከቡ እሱራት ንሓደጋ ተቓሊዕም ምህላዎም ኣተሓሳሲቡ።

ካብ 800 ሰባት ንላዕሊ ክሕዝ ዘይግብኦ ዓዲ ኣቤቶ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 2500 እሱራት ኣጨቓጪቑ ምህላዉ ድማ ኣምነትስ ኢንተርናሽላን ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ኣብ ማይ ስርዋ ኣብ ዝርከብ ክልተ ደምበታት ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ብድምር 1200 እሱራት ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣብቲ ብእንዳ ፍዮሪ ዝፍለጥ፣ 700 እሱራት ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ዝቅጽዕሉ ቦታ፣ ዝኾነ ዓይኒ ምድሪ ከምዘይብሉ እቲ ትካል ኣመልኪቱ።

ኣስታት 500 እሱራት ብጽኑዕ ተታሒዞምሉ ኣብ ዝርከቡ ካልእ ደመበ ማይ ስርዋ ድማ 20 ዓይኒ ምድሪታት ኣለዎ።

ኣብ ዓላ’ውን ብተመሳሳሊ 1200 እሱራት ተጨቓጪቖም ይርከቡ።

ኣማኢት ካብዞም እሱራት፣ ብቀጻሊ ብተላጋቢ ሕማማትን ከምዝጥቅዑን ከም ናይ ከስዐ-መዓንጣ ባክተርያ ንዝኣመሰለ ብሰንኪ ጽርየቱ ዘይሓለወ ማይን መግቢን ዝስዕብ ተሃዋስያን ከምዝቃልዑን ይፍለጥ።

ኣብዚ ኣብያተ ማእሰቲ፣ ብሰንኪ’ዚ ሕማቕ ኣተሓሕዛ 10ታት ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሰነዳት የረጋግጽ።

ብዘይካ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ኣብ ከባቢ ባረንቱ ዝርከብ ፕሪማ ካንትሪ፣ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዝርከብ ገደም፣ ኣብ ኣደርሰር፣ ሳዋ፣ ተሰነይን ካልእ ከባቢታትን ዝርከብ ጽኑዕ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ብሰንኪ እምነቶምን ዘለዎም ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ዝተጠርጠሩ ኣሽሓት ዜጋታት ተሓይሮም ግዳያት ግፍዕን ስቓይን ኮይኖምን ይኾኑ ኣለዉን።

ኣብ ርእሲ’ዚ ብስም መደበራት ፖሊስ ኣብ ዝጽውዓ ኣብያተ ማእሰርቲ’ውን ብዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ክስታት ተጠቒኖም ዝሳቐዮ ዜጋታት መቑጸሪ የብሎምን።

መበል 29 ዓመት ናጽነታ ኣብ ትጽንምብል ዘላ ኤርትራ፣ ህዝባ ካብ ኣብ ግዜ ገዛእት ስርዓታት ንላዕሊ ይሳቐን ይጋፋዕን ብብዝሒ ድማ ይስደድን ከምዘሎ ሓያሎ ዜጋታት ይሰማምዑ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    እቲ ሽግር ኮይኑ ዘሎ ሕጂ ነቶም ኡሱራት ንግዚኡ ካብቲ ቦታ ሰዊሩ ንዑ ፈትሽዎ ክብሎም እዩ ፈትሾም ምስ ከዱ ና ብቲ ዝነበርዎ ቦታ ይመልሶም። ክምዚ ገሩ እዩ ዝጻወተሎም አብ 2002 አነ ከምዚ አይነት ጸወታ አጋጢምኒ እዩ እዚ ዝቦሃል ዘሎ ሐቂ እዩ ጸለመ አይኮነን ግን ኩሉ ኤርትራዊ በፍላጥ ይኩን በዘይ ፍላጥ ብ ዜጋታትና ንጻወት አለና ንአሚንስት Haman ንሐግዞ ንዜጋታትና ሐራ ነውጽአዮም።