ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣስታት 730 ሽሕ ስደተኛታት ንጥምየት ክቓልዑ ከምዝኽእሉ መጠንቐቕታ ቀሪቡ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣስታት 730 ሽሕ ስደተኛታት ንጥምየት ክቓልዑ ከምዝኽእሉ መጠንቐቕታ ቀሪቡ

Radio Erena: 10 November 2015

Cam in Eth

ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ንስደተኛታት’ውን ግዳይ ክገብሮም ከምዝኽእል ኢትዮጵያ ኣጠንቒቓ።

ብመሰረት እቲ ኢትዮጵያ እተቕርቦ ዘላ መጠንቐቕታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ 730 ሽሕ ስደተኛታት ዝኸውን ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት እንተዘይተለጊሱ፣ እቶም ስደተኛታት ብጥሜት ክጥቕዑ’ዮም።

ነቶም ስደተኛታት ዝኸውን ናይ መግቢ ረዲኤት ኣስታት 55 ሚልዮን ዶላር ካብ ለገስቲ እንተዘይተረኺቡ፣ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ኣብ ዘሎ ግዜ ከቢድ ጥምየት ከንጸላልዎም ምዃኑ ንሓደ ካብ ሰበ ስልጣን ስደተኛታት ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

 

ምክትል ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ኣቶ ኣያለው ኣወቐ ብሰኑይ 9 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣመሪካ 20 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ ከምዘላ ብምጥቃስ፣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ከጻንሖም ምዃኑ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ረደኤት እንተዘይለጊሰን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክኽሰት ከምዝኻል ኣጠንቒቑ።

ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣስታት 730 ሽሕ ስደተኛታት ዜጋታት ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ኮይኖም፣ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ዝተዓቕቡ ኤርትራውያን ከኣ ኣስታት 100 ሽሕ ከምዝበጽሕ ጸብጻብ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ይኹን’ምበር መብዛሕቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብመንገዲ ሱዳንን ሊብያን ናብ ሃገራት ኤርትራውጳ ይውሕዙ ምስ ምህላዎም፣ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተነግረ ክጎድል ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ይጠቕሱ።

ኢትዮጵያ፣ ብደረጃ ሃገር ከቢድ ደርቂ ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎን ኣስታት 8 ሚልዮን ካብ ህዝባ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ከምዘድልዮን’ያ ትገልጽ።

ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምብራቓውን ሰሜናዊ ምብራቕን እታ ሃገር ኣብ ከባቢታት ትግራይን፣ ኣምሓራን ዓፈርን ኣብ ህዝቢ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ደርቂ ንምምካት፣ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ መንግስቲ እታ ሃገር የተሓሳስብ።

መንግስቲ ኣስታት 190 ሚልዮን ዶላር ክስልዕ እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ግና ካብ ለገሲ ክወሃቦ’ዩ ዝሓትት ዘሎ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0