ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 10 November 2015

China Gerneral

ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዝመርሖ ወትሃደራዊ ጉጅለ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዑደት ከምዘካየደ ተገሊጹ።

እቲ ብሓለቃ ስታፍ ኣዛዚ ሰራዊት፣ ጀነራል ፋንግ ፈንግሁይ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ጉጅለ ቻይና ኣብ ናይ ጅቡቲ ዑደቱ፣ ንእግረ መንገዱ’ውን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓለዋ ንግዳዊ መራኽን ተዋፊረን ንዘለዋ ናይ ቻይና መራኽብ ኵናት ከምዝበጽሐ፣ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ የረደእ።

ሓለቓ ስታፍ ኣዛዚ ሰራዊት ቻይና ኣብ ጁብቱ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር፣ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕርን ካልኦትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ቻይና ከምዘሰነይዎ’ውንእቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

 

ቻይና፣ እብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንኸተቕውም ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ ወትሃደራዊ ምንጭታት ብተደጋጋግሚ ይጠቕሱ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ብዛዕባ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር ብምልክተ ምስ መንግስቲ ቻይና ኣብ ምዝርራብ ከምዝርከብ እኳ እንተረጋገጸ፣ ብወገን ቻይና ግና ዝኾነ ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ቻይና፣ ኤርትራ ኣብ እትርከቦ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቁጠባ፣ ንግድን ዕደናን ዓብላሊ ተራ ኣብ ምጽዋት ትርከብ።

ነቲ ብፈረንሳን ኣመሪካን ተባሒቱ ዝርከብ ወትሃደራዊ ዕብለላ እዚ ዞባ ከኣ፣ ኣብ ዝሓጸረ ክትጽንበሮ ምዃና ተንተንቲ የመልክቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0