ኣብ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርሉ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

ኣብ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርሉ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

Radio Erena: 09 November 2015

House Burned

ኣብ እስራኤል ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርዎ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ።

ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ፣ በቲ ባርዕ፣ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ብኸብዲ ብቖስል እንከሎ፣ ካልእ ከኣ መተናዊ ጉድኣት ከምዝወረዶ ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ’ውን በቲ ባርዕ፣ ክልተ ደርቢ ዝነበሮ ህንጻ ብፍራሱ፣ ጥረ ገንዘብ ዝርከቦ ብርክት ዝበለ ንብረት ገሊኡ ከምዝዓነወን፣ ገሊኡ ከኣ ተደፊኑ ክህሉ ከምዝኽእልን እቲ ወኪል ጠቒሱ።

 

ካብቲ ባርዕ ዝደሓኑ ኤርትራውያን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ፈለጥቶም ተጸጊዖም ይነብሩ ኣለዉ።

እቲ ሸኾናታቲክቫ ዝተባህለ ከባቢ፣ ብሓሙሽ 5 ሕዳር 2015፣ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ ዘጋጠማ ባርዕ፣ ጠንቑ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክንጸር ኣይከኣለን።

ኣብ ፈለማ፣ እቶም ኤርትራውያን ጠንቂ’ቲ ባርዕ “ላሕኵ ጋዝ’ዩ’ ዝብል ግምታት ሂቦሞ እኳ እንተነበረ፣ ብፖሊስን ክኢላታትን ኣይተረጋገጸን።

 =====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0