ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ኣውስትርያዊ ተቐቲሉ

ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ባህር ዳር ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳውያን በጻሕቲ ሃገራት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ሓደ ኣውስትርያዊ ከምዝተቐትለ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኦስትርያ ኣፍሊጡ።

    ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኦስትርያ፣ ማርቲን ዌስ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ኣስታት 10 ዝኾኑ በጻሕቲ ሃገር፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ 550 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ባህር ዳር፣ ኣብ ገማግም ናይል ብጃልባ እናተጓዕዙ’ዩ እቲ መጥቓዕቲ ተፈጺሙ።

    ሓደ ካብኣቶም ብኡ ንብኡ ክመውት እንከሎ፣ ሓደ ድማ ብጽኑዕ ምቑሳሉ እቲ ኣፈኛ ኣረጋጊጹ።

    መንነቶም ዘይተነጸረ ዕጡቓት፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም በጻሕቲ ሃገር ተዅሲ ብምፍናው እቲ መጥቓዕቲ ከምእተኻየደ ዝሓበረ ኤኤፍፒ ድማ፣ ብዘይካቲ እቲ ዝሞተን ዝቖሰለን፣ ካልኦት ሰለስተ ኦስትራውያን ሃዲሞም ደሃዮም ጠፉኡ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ሃገሮም ርክብ ኣካይዶም ኣለዉ።

    ድሕሪ’ቲ ብረት ብዝዓጠቑ ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ እቶም በጻሕቲ ሃገር ሒዞሞ ዝነበሩ ንብረት ብምሉኡ ከምእተዘምተ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

    ሓደ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃደመ ኦስትርያዊ ንማዕከን ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ካብ 8 ክሳብ 10 ዝኾኑ ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ሂቡ።

    እቲ ብሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ባህር ዳር ኣብ ልዕሊ በጻሕቲ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፣ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉን፣ ሰረቕቲ ዝፈጸምዎን’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኦስትርያ የመልክት።

    ዓሚ ከምዚ እዋም’ዚ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ በጻሕቲ ሃገር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ኦስትርያዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ኤውሮጳውያን ከምእተቐትሉ ይዝከር።

    ኣብቲ እዋን’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከባቢ ዳንካልያ እቲ ኣብ ልዕሊ በጻሕቲ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፉ ዕጡቓት ዓፈር’ዮም ፈጺሞሞ ክብል ወቒሱ’ዩ።

    ብዛዕባ እዚ ኣብ ባህር ዳር ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0