ባ.ጸጥታ ሓድሽ ኣቦ መንበር መዚዙ

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 31 ጥሪ 2013 ተናዊሑ ዘሎ ዕማም ተቖጻጻሪ ጉጅለን ኮሚተ እገዳ ኤርትራን ሶማልያን ንኽመርሕ ሓድሽ ኣቦ መንበር መዚዙ።

    እቲ ብባይቶ ጸጥታ ተመዚዙ ዘሎ  ሓድሽ ኣቦ መንበር፣ ኣምባሳደር ደቡብ ኮርያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትኪም ሱክ’ዩ።

    ኣቐዲሙ ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ኣብ ጉዳይ ሶማልን ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሃርዲፕ ሲንግ ፑሪ፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ሓላፍነቱ ኣብ 31 ታሕሳስ 2012 ብወግዒ ድሕሪ ምብቕዑ’ዩ መዝነቱ ኣረኪቡ።

    ብመሰረት ኣቐዲሙ ወጺኡ ዝነበረ ውሳኔ፣ ዕማም ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓመታዊ ጸብጻቡ ብምቕራብ ኣብ 31 ታሕሳስ  2012 ክዛዘም እኳ እንተነበረ፣ እቲ ኮሚቴ ንዘሎ ምዕባለታት ንምክትታል ዕማሙ ንሓደ ተወሳኺ ወርሂ ክናዋሕ ምዃኑ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ባንኩ ሙን ኣፍሊጡ’ዩ።

    ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራት ፓኪስታንን ቶጎን ድማ ከም ምክትል ኣቦ መንበር ናይታ ናይ እገዳ ኮሚተ ኮይኖም ተመዚዞም ኣለዉ።

    መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ታሕሳስ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ንክልተ እዋን ብባይቶ ጸጥታ ድሕሪ ዝተነብረሉ እገዳ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኔርዎ ዝተባህለ ጣልቓ ምእታው ከምዝተመሓየሸ ጸብጻባት እኳ እንተገለጹ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክክተሎ ጸኒሑ ዝተባህለ ሃዋኺ ተራ ግና ቀጺሉ ኣብ ዝቐረብ ጸብጻብ እቲ ኮሚተ ክርአ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0