ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ ተቓውሞ ይቕጽል፣ ቤት ማእሰርቲ ኣምቦ ተቓጺሉ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ ተቓውሞ ይቕጽል፣ ቤት ማእሰርቲ ኣምቦ ተቓጺሉ

Radio Erena: 21 February 2016

Oromo

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ መንጎ ህዝብን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዝተወልዐ ግጭት ይቕጽል ምህላዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ዞባ ኣብ ዝልሕመሉ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ኣምቦ ንዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘቓጸለ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ብዓርቢ 19 ለካቲት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣምቦ ዘጋጠመ ባርዕ፣ ጠንቑ ገና ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ዝሓበረ ሚኒስተር ዜና ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ በቲ ባርዕ ኣብ ህወይት ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ይኹን፣ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጠ እሱር ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

 እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ፣ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዝርአ ዘሎ ናዕብን ዕግርግርን ከምኡ ድማ ድልድላት ምፍራስን ትካላት መንግስቲ ምዕናውን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ጠቒሱ።

እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣርሲ ተጎሃሂሩ ዘሎ ግጭት ምስቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ክልል ኦሮሞያ ዝተወልዐ ናዕብን ተቓውሞን ምትእስሳር የብሉን ክብል’ውን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ገሊጹ።

ይኹን’ምበር እዚ ናይ ኣርሲ ግጭት ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዞባ ኦሮምያ ዝተጓሃሃረ ናዕቢ ምዃኑ’ዮም ዘመልክቱ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብ ኢትዮጵያ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፣ ከባቢ ኣርሲ ዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ዞባ ኣርሲ ብፍላይ ከኣ ከባቢታት ሻላ፣ ሲራሮን ሻሸመኔን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸልከለት ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዋ ደርፊ ኦሮሞ ኣብ ሓደ መርዓ እናተደርፈት፣ ፖሊስ ብሓይሊ ደው ከብልዎ  ኣብ ዝፈተንሉ እዋን’ዩ’ዩ ተወሊዑ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0