ኣቦ መንበር ኮሚቴታት እገዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽም ዕድመ ቀሪብሉ

ኣቦ መንበር ኮሚቴታት እገዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽም ዕድመ ቀሪብሉ

Radio Erena: 21 February 2016

RamGr

ኣቦ መንበር ኮሚቴታት እገዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ራፋኤል ዳርዮ ራሚረዝ ካረኖ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ኣቦ መንበር ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኮሚቴታት እገዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ውሳኔን ኣተገባብራን እገዳታት ኣመልኪተን ኣብ 11 ለካቲት ድሕሪ ዘካየድኦ ዘተ’ዩ።

ራፋኤል ራሚረዝ ኣብቲ ዘተ ኣብዝ ሃቦ መግለጺ፣ ትሽዓተ ካብተን 16 ናይ እገዳ ኮሚቴታት ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝጸንሓ ምዃነን ብምዝክኻር፣ ናይ ዒራቕ ን26 ዓመታት፣ ናይ ሶማልያን ላይበርያን ከኣ ን24 ዓመታት ይቕጽል ብምህላዉ እቲ ጉዳይ ደጊሙ ክምርመር ኣተሓሳሲቡ።

 

እገዳ፣ ንጹር ዕላማታት ክህልዎን ናይ ግዜ ሰሌዳ ክስርዓሉን ካልኦት ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ዲፕሎማሰኛታት ምጽውዖም’ውን መርበብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ብ11 ለካቲት ዝተኣንገደ ዘተ፣ እገዳ ተጌሩለን ዘሎ ከም ኤርትራን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ከምዝተሳተፋ ዘረጋገጹ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት፣ ድሕሪ’ቲ ዘተ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ንኣቦመንበር ኮሚቴታት እገዳ ቬኔዙዌላዊ ራፋኤል ዳርዮ ራሚረዝ ካረኖ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ጠቒሶም።

ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ኣቐዲሙ’ውን ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ብምርኻብ ኣብ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2009 ከምኡ ድማ 2011 ኣትሒዙ ንኽልተ እዋን ዝተነብረሉ እገዳ ንኽልዓለ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ኣብ ምክያድን ንሓያሎ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ውድባትን ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይዱ ኣብ ምዕዳምን ተጸሚዱ ይርከብ።

እቲ መንግስቲ እገዳ ንኽልዓል ጽዑቕ ዘመተን ዕድመ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዘካይድ ዘሎ፣ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ኣብ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ወይ ዘይምህላዎም ንምርግጋጽ እተካያዶ ናይ ዘላ ምጽራይ ኣብ ሰነ 2016 ጸብጻባ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንምቕራብ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን’ዩ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0