ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋን መጭወይትን ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 12 April 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ትግራይን፣ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋን መጭወይትን ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ክካየድ ዝጸንሐ ግፋ ኤርትራውያን ኣብ ትግራይን ካልእ ከተማታት’ውን ይርአ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ጠንቁ ብንጹር ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ኣረዲኦም።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ብስም ሕጋዊ ናይ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ንምህዳን ብዝብል ዝካየድ ዘሎ ግፋን መጭወይትን፣ ንስርዓት ህግደፍ ንዝቃወሙ ደለይቲ ለውጢ ንምህዳን ዝዓለመ ምዃኑ ይጥቀስ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ክልተ መዓስከራት’ውን ግፋን መጭወይትን ጸጸኒሑ ይካየድ እዩ ዝበሉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ምንቅስቓሳቶም ዝልዓለ ጥንቃቐታት ክገብሩ ተላብዮም።

ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ምምሳይ፣ በይናዊ ጉዕዞታትን ዘየድሊ ሓበሬታ ምልውዋጥ ከወግዱ፣ ናይ ዘይፈልጥዎ ሰብ መኪና ከይስቀሉ ዝኣመሰለ ጥንቃቐታት ከዘውትሩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ይላቦ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0