ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ፣ 98.5% ድምጺ ብምርካብ ንመበል ሓሙሻይ እዋኑ ፕረዚደንት ንምዃን ተዓዊቱ

Radio Erena: 11 April 2021

ኣብ ጂቡቲ፣ ብዓርቢ 09 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንመበል ሓሙሻይ እዋኑ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ናይ ልዕሊ 167 ሽሕ ወይ ድማ 98.5% ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጂቡቲ ኣፍሊጡ።

መወዳድርቲ ኮይኑ ዝቐረበ፣ ወዲ 56 ዓመት፣ ዘካርያ እስማዒል ፈራሕ ድማ ኣስታት 5 ሽሕ ናይ ድጋፍ ድምጺ ወይ 1.5% ጥራይ ከምዝረኸበ እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

ኣስታት 1 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ጂቡቲ፣ ኣብ ምርጫ ዝተሳተፈ እቲ ትሕቲ 200 ሽሕ’ዩ።

ወዲ 73 ዓመት ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ስልጣን ናይ ምስግጋር መደብ ከምዘይብሉ ዝወቕስዎ ተቓወምቲ ውድባት ጂቡቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምርጫ’ውን ‘በይኑ ተወዳዲሩ በይኑ ክዕወቱ’ዩ’ ክብልዎ’ዮም ጸኒሖም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0