‘ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ኣማኢት ሰባት ብዓጸቦ ሞይቶም።’ ኣሶሸተድ ፕረስ

Radio Erena: 14 June 2022

ኣብ ሶማል፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ኣማኢት ሰባት ብሰንኪ ዓጸቦ ከምዝሞቱ ኣሶሸተድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ንሰነዳት መንግስቲ ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ብዓጸቦ ዝተጠቕዑ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ዝእለይሉ ማእከላት ጥራይ 448 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ።

Action Against Hunger ብዝተባህለ ብኣህጉራዊ ትካልት ግብረ ሰናይ፣ ኣብ ዝእለ ማእከል ጥራይ ብውሕዱ 30 ሰባት ብዓጸቦ ሞይቶም።

መብዛሕቶም እቶም ብዓጸቦ ዝሞቱ ሶማላውያን ቆልዑ’ዮም።

ኣብ ከባቢ ከተማ ሞቛድሾ ዝርከባ ማእከላት፣ ካብ ካልእ ማእከላት ዝመጹ ተኣለይቲ ዓጸቦ ኣጥለቕሊቐን ከምዘለዋ፣ ሓደ ካብ ሓካይም፣ ዶ/ር ሙስጠፋ ዮሱፍ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ብሰንኪ ደርቂ ካብ መነባብሮኦም ተፈናቒሎም፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢታት ናብ ዝርከቡ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ሶማል ኣብ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ከምዘለዋ ኣፍሊጡ’ዩ።

ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፈር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፣ ብውሕዱ 35 ቆልዑ ብሰንኪ ዓጸቦ ከምዝሞቱ፣ ንሓካይም ብዘይዶብ ብምጥቃስ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ንከቢድ ሓደጋ ደርቂ ተቓሊዑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ቆላሕታ ዓለምና፣ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝካየድ ናብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣተኵርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሰብኣዊ ቅልውላው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጎስዩ ምህላዉ ዘተሓሳሰበ ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ ወይ UNICEF፣ ኣብቲ ዞባ ‘ጃምላዊ ሞት ቆልዑ’ ከይክሰት ስግኣቱ ገሊጹ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0