ብሪጣንያ፣ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ፣ ናብ ርዋንዳ ክተሰጋግሮም ናይ ዝመደበት ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ናብ 11 ወሪዱ

Radio Erena: 14 June 2022

መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰረት፣ ሎሚ ሰሉስ 14 ሰነ፣ ቀዳማይ ዙርያ ምስግጋር ሓተቲ ዑቕባ ንምክያድ ወጢኑ ኣሎ።

እዚ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መሰል ስደተኛታት፣ ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ ዘሎ ስጉምቲ ግብራዊ ንኸይከውን፣ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረብ ጥርዓን ኣብ ፈለማ ክዕወት ኣይከኣለን።

ብሪጣንያ፣ ‘ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ይሕግዝ’ዩ’ ንዝበለቶ ስጉምቲ፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ናብ ርዋንዳ ከተሰጋግርዎም ዝሓበረቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ብዝሖም 37 ‘ዩ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ተጣበቕቲ ብዘቕረብዎ ናይ ይግባይን ካልእ ሕጋዊ መስርሓትን፣ እቲ ቁጽሪ ናብ 11 ምውራዱ ሮይተርስ ኣረጋጊጹ።

ንመንነት ናይቶም ናብ ርዋንዳ ዝሰጋገሩ ሓተቲ ዑቕባ ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተዘይተዘርግሐ፣ ዜጋታት ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ከምዝርከብዎም እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።

ርዋንዳ፣ ኣምስያ ናይቲ ካብ ብሪጣንያ ንዝስጎጎ ሓተቲ ዑቕባ ክትቕበል ምውሳና፣ 148 ሚልዮን ዶላር ሞሳ ክወሃባ’ዩ።

ብሪጣንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ነዚ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዝተገደደት ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን፣ መትረብ እንግሊዝ እናሰገሩ ናብታ ሃገር ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ብዝሒ ግና እናዛየደ’ዩ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ፈረንሳ ካብ እትርከበን ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝሰገሩ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኣስታት 3500 ከምዝበጽሕ ሮይተርስ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0