ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ጉያ እግሪ ምቑራጽ ሃገር፣ 25 ኣትለታት ዘሰለፈት ኤርትራ ብሓንቲ ነሓስ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 27 March 2017

Athelets of Er

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ መበል መበል 42 ናይ ዓለምና ውድድር ሻምፕዮን ጉያ እግሪ ምቁራጽ ሃገር፣ ኤርትራ ታሽዓይ ደረጃ ሒዛ።

ኣብዚ ብሰንበት 26 መጋቢት ዝተኻየደ ቅድድም፣ 13 ደቂ ተባዕትዮን 12 ደቂ ኣንስትዮን፡ ብሓፈሻ 25 ኤርትራውያን ኣትሌታት ተሳቲፎሞ።

ኣብ’ዚ ውድድር፣- ኬንያ 4 ወርቂ፡ 5 ብሩር፡ 3 ነሓስ፡ ብ12 ሜዳልያታት ዓብላሊ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ ኢትዮጵያ 4 ወርቂ፡ 4 ብሩር፡ 1 ነሓስ፡ ብድምር 9 ሜዳልያታት ብምርካብ ካልአይቲ ኮይና።

1 ወርቂን 2 ነሓስን ብምዕታር አአንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ ሳልሰይቲይቲ ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ፡ ቱርኪን ባሕሬንን ድማ፡ ነፍሲ ወከፈን ሓንቲ ናይ ነሓስ ሜዳልያ ብምውሳድ ብሓባር ራብዓይ ደረጃ ሒዘን።

ኣብዚ ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ፣ ውድድር ሻምፕዮን ጉያ እግሪ ምቁራጽ ሃገር ካብ 59 ሃገራት ዝተዋጽኡ 557 ኣትሌታት ተኻፊሎም።

 

ንሰፊሕ ዝርዝር ናይዚ ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ኣብ ናይ ሰሉስ ቀጥታዊ ፈነወ፣ ኣብ መደብ ስፖርት ተኸታተሉ።

=============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0