ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ’የን

Radio Erena: 28 March 2017

Airforce Saudi

ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ ምዃነን ኣፍሊጠን።

እቲ ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 12 ሚያዝያ ዝካየድ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ሓይሊ ኣየር ዘተኮረ ኮይኑ፣ ነፈርቲ ኵናት ክልቲኤን ሃገራትን ኣብረርተንን ዝተወሃሃደ ስርሒት ንምስልሳል ዝዓለመ’ዩ።

ሱዳን፣ ስርሓት ሩስያ ዝኾና ሚግ 29 ከምኡ ድማ ሱኾይ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኩናት ኣብቲ ልምምድ ንምውፋር ክትቅርበን እንከላ፣ ስዑዲ ዓረብ ብወገና ስርሓት ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝኾና ኤፍ -15ን ኤውሮ ፋይተር ታይፉን ዝተሰምያ ነፈርቲ ክትልእኽ ምዃና ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሱዳን ሳልሓዲን ዓብደልካልድ ኣረጋጊጹ።

ሱዳን ምስ ኢራን ዝነበረ ኩሉ ዓይነት ዝምድና ድሕሪ ምብታኻ፣ ከምዚ ዓይነት ሓባራዊ ልምምድ ከተካይድ ንመጀመርያ እዋና’ዩ።

ብስዑዲ ዝምራሕ ሰራዊት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ የመን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ካብተን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ስዑዲ ንምስላፍ ዝበዝሐ ኣጋር ሰራዊት ዝልኣኻ ሃገራት ሱዳን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ኣብ የመን ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ሱዳን ተዋፊሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0