ሱዳን፣ ተጨውዮም ዝጸንሑ 11 ኤርትራውያን ከምዝተለቁ ተሓቢሩ

ሱዳን፣ ተጨውዮም ዝጸንሑ 11 ኤርትራውያን ከምዝተለቁ ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 March 2017

Kassala

ፖሊስ ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ተጨውዮም ዝጸንሑ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ እትርከቦም 11 ኤርትራውያን ናጻ ከምዘውጽአ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

እቶም ኤርትራውያን ብስግረ ዶብ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም፣ ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ዝተሸጡ ምዃኖም’ያ እታ ሬድዮ ገሊጻ።

ዝሓለፈ ሰሙን ፖሊስ ብዘካየዶ ስርሒት ከኣ ኣብ ከባቢ ወዲ ሸሪፈይ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ ናጻ ወጺኦም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን 28 ኤርትውያን ብተመሳሳሊ ስርሒት ናጻ ከምዝወጹ ፖሊስ ሱዳን ምሕባሩ ይዝከር።

ኣብ ዶባትኤርትራን ሱዳንን ብፍላይ ኣብ ዞባ ከሰላ፣ ተደጋጋሚ ምጭዋይን መሸጣን ኤርትራውያን ዝርአ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ብደላሎን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ከምዝተሸጡ ኣዛዚ ፖሊስ ከሰላ ሜጀር ጀነራል ያሕያ ሓዲ ሱሌማን የመልክት።

ፖሊስ ሱዳን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንምዕጋትን፣ መርበባት እሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ንምቁጽጻርን ስርሒታት የካይድ ከምዘሎ ብቀጻሊ ይግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን እቲ መንግስቲ ንባዕላቶም ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተዋፈሩ ምዃኖም’ዮም ዝውቐሱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0