ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣስታት 27 ሽሕ ኤርትራውያን ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: 30 March 2023

ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣስታት 27 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ፣ ንጸብጻብ መንግስቲ ብምውካስ መርበብ ዜና ሞኒተር ሓቢሩ።

ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ንግድን ወፍርን ብዝገብርዎ ምንቅስቃስ፣ ኣብታ ሃገር ጽቡቕ ስም ከምዘለዎም ዝሓበረ እቲ መርበብ፣ መንግስቲ’ውን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብፍሉይ ሓበሬታ ዝረኽብሉ ማእከል ንምኽፋት ይሰርሕ ኣሎ ኣሉ።

ኣብ መጀመርያ ዕለታት ናይዚ ወርሒ’ዚ፣ ‘ዋዕላ ወፍሪ ኤርትራውያን ወጻእተኛታት’ ኣብ ካምፓላ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳያት ወጻእተኛታት፣ ኣበይ ዋሉሲምቢ፣ ኤርትራውያን ዝኾነ ጸገማት ምስ ዘጓንፎም ቅልጡፍ ሓበሬታ ዝረኽብሉ ማእከል ንምኽፋት ይሰርሑ ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ምምስራት፣ ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ተወሳኺ ወፍሪ ንኸካይዱ ዘተባብዕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ንሱ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኡጋንዳ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡ ኤርትራውያን፣ ዜግነት ዝረኽቡ ዕድላት ክርኢ ከምዝደሊ ጠቒሱ።

ኣብ ኤርትራ ናይ ወፍሪ፣ ንግድን ስራሕን ዕድላት ዝሰኣኑ ኣሽሓት ዜጋታት፣ ናብ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ርዋንዳ፣ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ንግድን ወፍርን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ዝርከቡ ቤተሰቦም ብምዃን፣ ከም መርዓን ሓዘን ንዝኣመሰለ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ ዘንቀሳቕስዎ ናይ ሓዋላ ገንዘብ ብሚልዮናት ዶላር ከምዝበጽሕ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብ ዓበይቲ ንግዲን ወፍሪ ዝተዋፈሩ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኣሽቱ ናይ ሸቐጥ ትካላት ዝኸፈቱ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን’ውን ንዜጋታት ኡጋንዳ ናይ ስራሕ ዕዳላት ይፈጥሩሎም ምህላዎም ካብ ካምፓላ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

መብዛሕትኦም እቶም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ካምፓላ ‘ዮም ዝቕመጡ።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከባቢታት ከተማ ካምፓላ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ብ25 መጋቢት ወለንታዊ ናይ ጽሬት ወፈራ ከምዘካየዱ ይዝከር።

እቲ ኣብ ካንሳንጋ፣ ኣብ ዝርከብ ከባቢ፣ ዝተኻየደ ወለንታዊ ናይ ጽሬት ወፈራ፣ ብማሕበር ስነ ጥበብ ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ ዝተወደበ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0