ኣብ ቻይና፣ ከተማ ቻንግቹን ኣብ ዝተኻየደ፣ ኣህጉራዊ ቅድድም ጉያ እግሪ ማራቶን፣ ኤርትራዊ ዑቕባይ ገብረትንሳኤ ቀዳማይ ተዓዊቱ

ኣብ ቻይና፣ ከተማ ቻንግቹን ኣብ ዝተኻየደ፣ ኣህጉራዊ ቅድድም ጉያ እግሪ ማራቶን፣ ኤርትራዊ ዑቕባይ ገብረትንሳኤ ቀዳማይ ተዓዊቱ

Radio Erena: 23 May 2017

Changu China

ኣብ ቻይና፣ ከተማ ቻንግቹን ኣብ ዝተኻየደ፣ ኣህጉራዊ ቅድድም ጉያ እግሪ ማራቶን፣ ኤርትራዊ ዑቕባይ ገብረትንሳኤ ቀዳማይ ብምዃን ከምዝተዓወተ ኣገልግሎት ዜና ቻይና፣ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሰንበት 21 ግንቦት፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ ቻንግቹን ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ማራቶን፣ ካብ 21 ሃገራት ዝተወከሉ፣ 30 ሽሕ ተወዳደርቲ ክቀዳደሙ እንከለዉ፣ ዑቕባይ ንውድድሩ ብክልተ ሰዓታት፣ 14 ደቓይቕን 50 ካልኢታትን ብምዝዛም’ዩ ቀዳማይ ኮይኑ።

ንኤርትራዊ ዑቕባይ ገብረትንሳኤ ተኸቲሉ ኸኣ ወዲ ሞንጎልያ፣ ጃምስራኖሎንባያር ካልኣይ ወጺኡ።

ኣብ ናይ ደቂንስትዮ፣ ቅድድም ማራቶን ኢትዮጵያዊት ቀዳመይቲ ክትዕወት እንከላ፣ ቻይናውያን ካልኣይትን ሳልሰይትን ደረጃ ሒዘን።

 

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0