“ምስ ግብጺ ንዘሎና ዶባዊ ምስሕሓብ ብኵናት ክንፈትሖ ኣይንደልን፣” ፕረዚደንት ኣል በሽር

“ምስ ግብጺ ንዘሎና ዶባዊ ምስሕሓብ ብኵናት ክንፈትሖ ኣይንደልን፣” ፕረዚደንት ኣል በሽር

Radio Erena: 23 May 2017

Bashir

ምስ ግብጺ ንዘሎና ዶባዊ ምስሕሓብ ብኵናት ክንፈትሖ ኣይንደልን ኢና ክብል ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ካብ 14 ክሳብ 15 ግንቦት፣ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዶሓ ፎሮም ድሕሪ ምስታፍ፣ ምስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ’ዩ።

ግብጺ ሉኣላዊ ግዝኣት ሱዳን ንዝኾነ ሰፊሕ ክፋል ዞባ ሓላይብ፣ ብሓይሊ ጎቢጣ ከምዘላ ዝሓበረ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ እቲ ጎበጣ ንኸብቅዕ፣ ሱዳን ሕጋዊ መስርሕ ዳንነት ከምእትኽተል ኣነጺሩ።

ግብጽን ሱዳንን ብሰንኪ’ዚ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ’የን ዝርከባ።

 

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0