ን11 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣቡነ እንጠንዮስ ብጽኑዕ ሓሚሞም፣ ህግደፍ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ንምሻም ይሸባሸብ

ን11 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣቡነ እንጠንዮስ ብጽኑዕ ሓሚሞም፣ ህግደፍ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ንምሻም ይሸባሸብ

Radio Erena: 23 May 2017

Abuna Abune

ንኣስታት 11 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጽኑዕ ሓሚሞም ከምለዉ ተሓቢሩ።

ንምትእትታው ህግደፍ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብምቅዋሞምን፣ ንዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ እቲ ስርዓት ብምኹናኖምን ኣብ 2007 መንግስቲ ካብ መንፈሳዊ ቦትኦም ብምእላይ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ኣብዚ 10 ናይ ማእሰርቲ ዓመታት ብተደጋጋሚ ክሓሙ ጸኒሖም’ዮም።

ይኹን’ምበር ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብጽኑዕ ሓሚሞም ከምዘለዉ ዝሕብሩ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ፣ ጠንቂ’ዚ ናይ ሕጂ ጽኑዕ ሕማሞም፣ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ብመድሃኒት ተመሪዞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝዝረበሉ።

እንተኾነ ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን።

ፓትርያርክ ንምምዛዝ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ተጸሚዱ ዝርከብ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኤርትራ፣ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት፣ 90 ዓመት መሊኦም ዘለዉ ኣቡነ እንጦንዮስ ክሞትሉ’ሞ፣ ብዘይ ክርክር ዝሰምዕዎ ፓትርያርክ ንምምራጽ ክጽበ ከምዝጸንሐ’ዩ ዝንገር።

ድሕሪ’ሞት እቶም ብህግደፍ ዝተሸሙ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015፣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ብዘይ ፓትርያርክ’ያ ትርከብ።

ገሊኦም ጳጳሳት እታ ቤተ ክርስትያን፣ ሓድሽ ፓትርያርክ ንኽሽየም ጠለብ ከቕርቡ እንከለዉ፣ ካልኦት ከኣ ሕጋዊን ወግዓዊ ቤተክርስትያን ብህይወቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ፣ ካልእ ፓትርያርክ ምሻም፣ ካብቲ ዝሓለፈ ዝበኣሰ ጌጋ ምፍጻም’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ምስታ ቤተክርስትያን ቅርበት ዘለዎም ወገናት የረድኡ።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣብ ሕማም ከምዝርከቡ ዝሓበሩ ኣቡነ መቃርዮስ ካብ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን፣ ምእመናን ኣብ ጸሎቶም ክዝክርዎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0