ኣብ ትግራይ፣ ኣብ 11 ኣዋርሕ፣ ልዕሊ1900 ቆልዑ ብዓጸቦ ከምዝሞቱ ተሓቢሩ

Radio Erena: 21 April 2022

ኣብ ትግራይ ጸኑዑ ዘሎ ከበባን ዕጽዋን ብሰንኪ ዘስዓቦ ዓጸቦ፣ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ልዕሊ 1900 ቆልዑ ከምዝሞቱ፣ ብሰብ ሞያ ሕክምና ናይቲ ክልል ንዝተዳለወ ጸብጻብ ብምጥቃስ፣ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ዝሰዓበ ሞት፣ ካብ ወርሒ ሰነ 2021 ክሳብ ባሕቲ ሚያዝያ 2022 ኣብ ዝነበረ 11 ኣዋርሕ ጥራይ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣስሚርሉ።

ኣብ ካልእ ክብጻሕ ዘይተኻእለ ከባቢታት ተደማሚሩ፣ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዓጸቦ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ቆልዑ ካብዚ ክዛይድ ከምዝኽእል ‘ውን ሓደ ካልእ በዓል ሞያ ሕክምና ነቲ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምእንቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኵናት ትግራይ ደው ከምዘበለ ካብ ዝገልጽ ኣስታት ሓደ ወርሑ፣ ዛጊት ናብቲ ክልል ዝኣተወ ረዲኤት ካብ 4% ዝሓለፍ ኣይኮነን።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፣ ረዲኤት ብዘዕንቅፋት ንኽበጽሕ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ተቖጻጺሮሞ ካብ ዝነበሩ ሓደ ከባቢ ክስሕብ እንከለዉ፣ ካብ ዝተረፈ ከባቢታት ንኽወጽኡ ‘ውን ቅሩባት ምዃኖም ይሕብሩ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ብ20 ሚያዝያ፣ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝልኣኽዎ ቅሉዕ ደብዳቤ፣ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ከበባን ዕጽዋን፣ ክፍታሕ እንተዘይክኢሉ፣ ካልእ ኣማራጺታት ክጥቀሙ ምዃኖም ኣጠንቂቖም።

‘ህዝቢ ብሰንኪ ከበባን ዕጽዋን፣ ብጥሜት ክመውት ስቕ ኢልና ኣይክንዕዘብን ኢና’ ዝበለ እቲ ቅሉዕ ደብዳቤ፣ እቲ ክውሰድ ዝኽእል ካልእ ኣማራጹ ብዝርዝር ኣየቐመጠን።

እንተኾነ፣ ‘እቲ ካልእ ኣማራጺ’ መጠነ ሰፊሕ ኵናት ንምቕጻል ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ግምታቶም ይህቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0