ኣብ ቢሻ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ከምዘይተኻየደ ተረጋጊጹ

ኣብ ቢሻ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ከምዘይተኻየደ ተረጋጊጹ

Radio Erena: 27 March 2015

Bisha attack

ኢትዮጵያ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ብምጥሓስ ኣብ ዕደና ቢሻን ወትሃደራዊ መዓስከር ማይ ዕዳጋን ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ ዝተባህለ ዜና ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊጹ።

እቲ ብዓርቢ 20 መጋቢት፣ ኣብ ቢሻን ማይ ዕዳጋን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ መንነቶም ዛጊት ብዘይተነጸረ ሰባት ወይ ጉጅለታት ብዝተጻወደ ነታጕ ዝተፈጸመ ምዃኑ’ውን ክረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኣቐዲማ ኣል ሰሓፋ ዝተባህለት ጋዜጣ ናይ ሱዳን፣ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ኣብ ቢሻ ደብዳብ ኣካይደን ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርጋሓ፣ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ፣ ነቲ ዘይተረጋገጸ ዜና ከምዘለዎ ክደጋግምኦ ጸኒሐን’የን።

 

ሬድዮ ኤረና ነቲ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ሓበሬታ ከተረጋግጾ ብዘይምኽኣላ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ርጡብ ሓበሬታ ንምርካብ’ያ ጻዕርታት’ያ ከተካይድ ጸኒሓ።

ዛጊት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ድማ ብ20 መጋቢት ወጋሕታ ክሊ ኣየር ኤርትራ ዝጠሓሰት ዝኾነት ነፋሪት ከምዘይነበረት ክረጋገጽ ክኢሉ።

እቲ ኣብ ቢሻ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ክልተ ቦታታት ዝተጻወደ ነታጕ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ሓደ ዝኾነት ጉድኣት ከየውረደ ትክን ሓመድ ጥራይ ኣብኒኑ። እቲ ካልኣይ ነታጕ ግና ከፊላዊ ጉድኣት ከምዘውረደ’ዩ ዘመልክት ድሕሩ ዝበጽሓና ዜና።

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን’ውን በቲ ‘ኣዕናዊ ገበናዊ መጥቃዕቲ’ ክብል ዝገለጾ ፍጻሜ፣ መጠናዊ ጉድኣት ከምዝወረደ ብምሕባር፣ ኣብ ፍርያቱ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይብሉ’ዩ ዘመልክት።

ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ፣ ማይ ዕዳጋ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ’ውን፣ ዝርዝር ናይቲ ዝዓነወ ንብረት ንምርግጋጽ እኳ እንተዘይተኻእለ ኣብቲ መዓስከር ካብ ዝርከብ ሓደ ሃንገር፣ ከፊላዊ ዕንወት ከምዝወረዶ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ኣብ ማይ ዕዳጋ ዘጋጠመ ነትጕ ክሳብ ገለ ክፋል ከተማ ደቀምሓረ ከምዝተሰምዐ’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

መንነቶም ብዘይተፈልጡ ኣካላት ብለይቲ ነታጕ ብምጽዋድ ኣብ ቢሻ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣብ ሰብ ጉድኣት ከምዘየውረደ ኔቭሰን ክሕብር እንከሎ፣ እቲ ናይ ማይ ዕዳጋ መጥቃዕቲ ግና ኣብ ሰብ ዘውረዶ ጉድኣት ብዛዕባ ምህላዉ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ብዓርቢ 20 መጋቢት 2015 ነታጕ ብምጽዋድ ኣብ ቢሻን ማይ ዕዳጋን ናይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ሓይሊ’ውን ዛጊት የለን።

ይኹን’ምበር ኣብታ ጽኑዕ ምልኪን ምቁጽጻርን ከምዘለዋ ዝንገረላ ኤርትራ፣ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክካይድ ምኽኣሉ ኣብ መላእ ሃገርን ወጻእን ዝዓበየ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ።

======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0